ኩሉ ሰብ ናይ ምርጫ ናጽነት ይደሊ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ናጻ ሃገር ክነብር ይደሊ።ምስ ነፍስወከፍ ኣብ ኢድና እንሕዛ ቕርሺ ሃብታም፡ ማእከላይ ወይ ድማ ድኻ ክንከውን ንመርጽ። መን ምዃንና ብናይ ወጻኢታትና ልምድታት’ዩ ዝውሰን። ድኻታት፡ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ልምድታት ኣሎዎም።
ብንእሽቶይ ኣብ መንጎ ጸጋን ጾርን ዘሎ ፍልልይ ዘረድኣኒ ሃብታም ኣቦ ስለዝረኸብኩ፡ ገና ቖልዓ ኸለኹ ሃብታም ክኸውን መሪጸ። ከመይ ጌርካ ሓቀኛ ጸጋታት ይእከብ ክመሃር ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ። ማይክ ዓርከይ፡ ህጣራ ሰንጠረጅ ጸጋታት’ዩ ወሪሱ፣ ከመይ ገይሩ ይዕቅቦ ግን ክመሃር ነይሩዎ። ምኽንያቱ፡ ሓያሎ ሃብታማት ስድራቤታት ንጸጋታቶም ዝዕቅቦ ወራሲ ስለ ዘይረኽቡ ጸጋታቶም ኣብ ዝቕጽል ወለዶ ይኸስሩዎ’ዮም።
ዝበዝሑ ሰባት ሃብታማት ንኸይኮኑ’ዮም ዝመርጹ። ን90% ካብ ህዝብና ሃብታም ምዃን “ሕማም”‘ዩ። ስለዚ ኸም እኒ፣ “ኣብ ገንዘብ ኣይግደስን’የ”፡“ብፍጹም ሃብታም ክኸውን ኣይክእልን’የ”፡ “ዘጨንቕ የብለይን፡ ገና ንእሽቶ’የ ዘለኹ”፡ “ገለ ገንዘብ ምስ ኣከብኩ ብዛዕባ መጻእየይ ክሓስብ’የ”፡
“ብዓል/ቲቤተይ’ዩ/ያ ፋይናንስና ዘ/ተካይዶ፡” ዝኣመሰሉ ምኽኒታት ይምህዙ።
እዞም ምኽኒታት’ዚኦም ነቲ ኽመርጽ ዝደሊ ሰብ ብዛዕባ ኽልተ ነገራት ንኸይሓስብ ይኽልክሉዎ – ግዜን ትምህርትን። ገንዘብ ስለ ዘይብልካ ኽትመሃር ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ኣይኮነን። እዚ ኹልና መዓልታዊ እንወስዶ ምርጫ’ዩ። ግዜና ኣብ ምንታይ ነሕልፍ፣ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ነውጽእ፣ ኣብ ርእስና ኸመይ ዓይነት ሓሳባት ነቐምጥ ንመርጽ። ሓይሊ ምርጫ ዝብሃል እዚ’ዩ። ኣነ ሃብታም ክኸውን መሪጸ፣ ነቲ
ምርጫ ድማ መዓልታዊ’የ ዝወስዶ።
መጀመርታ ኣብ ትምህርቲ ኣውፍር። ኣብ ክውንነት መጺእና እቲ እንኮ ሓቀኛ ጸጋና ኣእምሮና’ዩ። ኣብ ርእስና እንታይ ነቐምጥ’ውን ንመርጽ ኢና። ምሉእ መዓልቲ ቴለቪዥን ክትርኢ ትውዕል ትኽእል፣ መጽሔታት ከተንብብ ትውዕል ትኽእል፣ ወይድማ ኣብ ፋይናንስያዊ ስልጠናታት ክትሳተፍ ትኽእል። ትመርጽ።
ዝበዝሑ ሰባት ብዛዕባ ወፍሪ ኸይተመሃሩ ጥር ኢሎም ናብ ወፍሪ ይኣትዉ።ሓንቲ ሃብታም መሓዛይ ኣብ ቀረባ እዋን ገዛኣ ሰረቕቲ ኣትዮሞ ነይሮም።ቴለቪዥናን መጻወቲ ቪድዮኣን ወሲዶም ኩሉ መጻሕፍታ ኸይተንከፉዎ ኸዱ።
ንሕና’ውን ተመሳሳሊ ምርጫ ኣሎና። 90% ካብ ህዝብና ቴለቪዥንን መኻይድታንይዕድግ፣ 10% ካብ ህዝብና ጥራይ ድማ ብዛዕባ ዋኒን ዝምህሩ መጻሕፍቲ ወይ ድማ ካሴት ይዕድግ።
ሮበርት ክዮሳኪ



Reviews
There are no reviews yet.