ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ዝጸንሑ ሶማላውያን ወታሃደራት ንዓዶም ምምላስ ከም ዝጀመሩ ንሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ። ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝተመልሱ ወታሃደራት ግን ኣይተገልጸን።
እታ ናይ ፈለማ ዙር ወታሃደራት ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ መቓዲሾ ምውራዳ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ኣመልኪቱ። ብዛዕባ’ቶም ንሃገሮም ምምላስ ዝጀመሩ ወታሃደራት ርእይቶ ዝሃበ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር፡ ንኣግልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ከም ዝገለጾ፡ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ወታሃደራት’ውን ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ክስዕቡ አዮም ኢሉ።
“ሞራሎም ጽቡቕ’ዩ ዘሎ፡ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ውን ሕጕሳት’ዮም። ኣብዚ ከኣ ብጽቡቕ ኢና ተቐቢልናዮም፡” ይብል እቲ ሚኒስተር ምክልኻል።
መንግስቲ ሶማልያ ንወተሃደራዊ ተዓሊም ኢሉ ንኤርትራ ዝለኣኾም ወታሃደራት ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዝበጽሑ’ዮም። ገለ ካብቶም ወተሃደራት ፍሉይ ስልጠና ከቢድ ብረት፡ ሓይሊ ባህሪን ሓይሊ ኣየርን ምውሳዶም ይፍለጥ።
ሚኒስተር ምክልኻል ዓብደልቃድር ኑር ከም ዝገልጾ፡ ምምላስ እዞም ወታሃደራት ነቲ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ዝግበር ዘሎ ኲናት ከበራትዖ ትጽቢት ይግበር። ወሲኹ ድማ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ኣብ ስራሕ ጸረ ሃገር ተዋፊሮም ኣለዉ ዝበሎም ዕጡቓት ዓቢ ሞራላዊ ስዕረት ከም ዘምጽእ ገሊጹ። ኣስዒቡ “ምምላስ ናይዞም ወተሃደራት ዓወት ንህዝቢ ሶማልን ዓወት ንምክልኻል እታ ሃገርን’ዩ፡” ክብል ገሉጹዎ።
እቶም ካብ ኤርትራ ዝተመልሱ ወታሃደራት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ፡ ናብ ስቱር ስፍራ’ዮም ተወሲዶም። ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታ ክሳብ ዝለኣኹ ድማ ኣብቲ ዘይተሓበረ ቦታ ክጸንሑ ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ ንተዓሊም ዝተላእኩ ወታሃደራት ሶማል ብዙሕ ከዘራርቡ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ኲናት ኣንጻር ትግራይ ኣብ ጎድኒ ኤርትራ ተሰሊፎም ተዋጊኦም ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ይናፈስ ብምንባሩ’ውን ብዙሕ ምዕዝማማት ኣስዒቡ ነይሩ። መንግስቲ ሶማል፡ ኣብ ሰዓቱ፡ ነቲ ዝናፈስ ዝነበረ ወረታት ደጋጊሙ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡሉ’ዩ። ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማልያ’ውን እቶም ወታሃደራት ሶማል ኣብቲ ኲናት ምስታፎም ዝዀነ ጭብጢ ክረብክ ኣይከኣለን።
