ምስማዕ ተላመድ!።

ብየዒንትኻን : ብልብኻን : ብእዝንኻን ስማዕ !!!

ንሰባት ብእዝንኻ ጥራይ ክትሰምዖም እኹል ኣይኮነን። መኽንያቱ! ሰባት ካብ ዘመሓላልፈዎ መልእኽቲ ፥ ብቃላት ዝግለጽ ፥ እቲ ሸውዓተ ካብ ሚኢቲ (7%) ጥራይ’ዩ ።
እቲ (53%) ካብ ሚኢቲ ብኣካላዊ ቋንቋ ኽኸውን ከሎ ፥ እቲ ዝተረፈ (40%) ሚኢታዊት ድማ ፥ ኣዋጻጽኣ ቃላትናን ‘ እነንጸባርቆ ስምዒትን እዮም ።
ሰባት እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ፥ እንታይ ይብሉ ከም ዘየለዉ ምርዳእ የድልየካ ። ሰባት ብደገኦም ክትርእዮም ከለኻ፥ ዋላ ሓያላት መሲሎም እንተ ተረኣዩኻ ፥ መብዚሓትኡ እዋን ‘ ሰባት ክርድእዎም ናይ ምድላይ ውሽጣዊ ስምዒት ኣለዎም ።

„ ቅድም ንሰባት ተረደኣዮም ፥ ብድሕሪኡ ድማ ፣ ከም ዝርዱኡኻ ግበር !!
ክልተ ኣእዛንን ሓደ ኣፍን እዩ ተዋሂቡካ … ስማዕ !!

„ ብናይ ካልኦት ጫማ ክጓዓዝ ቅድሚ ምኽኣለይ ፥ ኣቀዲመ ናይ ባዕለይ ጫማ ከውጽእ ኣሎኒ” „

„ ስማዕ !! እንተዘይኮይኑ ናይ ገዛእ ርእስኻ መልሓስ ፥ ደንቆሮ ይገብረካ “

~ ቀለልቲ ስጉምታት !

• ሰባት ኣብ ዘዕልሉኻ እዋን ፥ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ብዓይንኻ ብኣድህቦ ከም ትዕዘቦም ተመልከት ‘

• ሰባት ኣብ ዝበዝሑሉ ቦታ’ሞ ኺድ ፥ ንሰባት ሓድሕዶም ዝዘራረብሉ ጉዳያት ተመልከት ። ብኽፋላት ኣካላቶል ንዝብልዎ ቛንቛ ክትርድኦ ፈትን ‘

• ኣብ ውሽጢ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ንኣዴኻ ወይ ንኣቦኻ ፥ ” ናብራ ከመይ ተተሓሒዝኩምዎ ” ኢልካ ሕተት ። ልብኻ ከፊትካ ካብ ውሽጥኻ ክትሰምዖም ፈትን’ሞ ፥ ብውጺኢቱ ክትድነቅ ኢኻ ።

• ቡዙሕ ትዛረብ እንተኼንካ ፥ ንእሽቶ ዕረፍቲ’ሞ ውሰድ ፥ ሓደ መዓልቲ ብምስማዕ ጥራይ ኣሕልፎ ። ክትዛረ ኣብ ዝግብኣካ ጥራይ ተዛረብ ።

• ኣብ መጻኢ ፥ ስምዒታትካ ሕባእ ክመጽኣካ ከሎ ፥…… ኣይትሕብኣዮ ። እንታይ ደኣ ብቕንዕናን ሓላፍነት ብዘለዎን መገዲ ኣውጽኣዮ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses cookies to offer you a better browsing experience. By browsing this website, you agree to our use of cookies.