ስርሒት መርበብ ስልያ አስራኤል (ሞሳድ) ኣብ ኢራን….

ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ሳይንቲስት ኒዩክለር ኢራን ተቐቲሎም አዮም። ኣብ ኒዩክለራውን ወተሃደራውን ትካላት ውን ብተደጋጋሚ ምብስባስ ተፈጺሙ አዩ። እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ገበነኛታት፣ ክከላኸሉ ወይ ክማርኹ ኣይከኣሉን።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2018 ብለይቲ፡ ደርዘን ዝኾኑ ሰባት፣ ካብ ርእሰ ከተማ ቴህራን 20 ማይልስ ርሒቓ ኣብ አትርከብ ኢንዱስትርያዊት ዞባ ናብ ሓደ ሚስጥራዊ ዝኾነ መኽዘን ሰቢሮም ኣትዮም።

ኣብ ውሽጢ’ቲ መኽዘን 32 ሳናዱቕ እኳ እንተነበራ፡ ኣየኖት ዝያዳ ክቡር ንብረት ከም ዘለወን ግን ይፈልጡ ነይሮም። ኣብ ሰዓታት ዘይመልአ ድማ ናይተን 27 ሳናዱቕ ከፊቶም ፍርቂ ቶን ዝምዘን ሕቡእ ኒዩክለራዊ ሚስጢር ወሲዶም፣ ኣሰር ከይገደፉ ድማ ወጹ። አዚ ኣብ ታሪኽ ኢራን ካብ ዝተኻየዱ ደፋራት ስርቂ ሓደ እኳ እንተነበረ፡ ሰበስልጣን ኢራን ግን ስቕ ክብሉ ኢዮም መሪጾም።

ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ግን እቲ ዝተሰርቀ ምስጥራዊ ንብረት 1200 ማይልስ ርሒቑ፡ ኣብ ከተማ ተልኣ-ቪቭ እስራኤል ተራእዩ።

አስራኤል ሕልፍ ኢላ ብዛዕባ ስሪሒታት ሞሳድ ትዛረብ አያ። ኣብቲ እዋን’ቲ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ነቲ ዝተሰርቀ ንብረት ውጽኢት ስርሒት ሞሳድ ምዃኑ ገሊጹ። ሰበስልጣን ኢራን ድማ ነቶም ሰነዳት ፈጠራታት አዮም፣ ኢሎም ብምጽዋዕ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ፣ ፈጺሙ ከምዘይተፈጸመ ተዛረቡ።

ድሒሩ ግን ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሩሃኒ፡ ኣብ ነሓሰ 2021፡ እስራኤል ናይ ኢራን ኒዩክለራዊ ሰነዳት ከም ዝሰረቐት ኣረጋጊጹ።

ሓለፍቲ ስልያ ኢራን፣ ምስ ሞሳድ ስለ ዝሰርሑ ተኣሲሮም ዝብል ወረታት ይስማዕ አዩ። እቶም ክስታት ግን ብወግዒ ተረጋጊጾም ኣይፈልጡን። ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ኣብ ሚኒስትሪ ስለያ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ጸረ ስለያ ዘካየድ፣ ሓላፊ መኮነን እዩ። ቤት ፍርዲ ሰውራ ኢራን ድማ ንሞት ፈሪድዎ፡ ብዘይ ዝኾነ መርቶዖ ከኣ ቀቲልዎ።

ሚኒስተር ስለያ ኢራን ነበርን፣ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሩሃኒ ዝነበረን ዓሊ ዩነ፣ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ “ጽልዋ ሞሳድ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነ ኩሉ ኣባል መሪሕነት ኢራን ንህይወቱ ክጭነቕ ኣለዎ” ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ሰበስልጣን ኢራን፡ ሞሳድ ኣብ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኣብ ትካላት ጸጥታን ስለያን ኢራን ምብጽሑ ዓቢ ስክፍታ ኣለዎም።
አስራኤል ውን አታ ቀንዲ ስግኣታ ዝኾነት ሃገር ኢራን ምዃና አያ ትኣምን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses cookies to offer you a better browsing experience. By browsing this website, you agree to our use of cookies.