ደሴታት ዳህላክ፣ ኣብ ማእከላይ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ፣ 56 ኪሜ ንሰሜናዊ ምብራቕ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ርሒቐን ዘለዋ እኩባት ደሴታት ኢየን። ዳህላክ ከቢር፣ ካብዘን እኩባት ደሴታት እታ ዝዓበየት ኮይና፣ 643 ትርብዒት ኪሜ ስፍሓት ኣለዋ። ጥንታውያን ሰነዳት፣ ካብ 100 ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ነዘን እኩባት ደሴታት ‘ ኢላያ’ ብዝብል መጸውዒ ይጠቕሱ። ከም ኣርቲሚዶሮስ ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ከምኡ ድማ እቲ ብ ፐሪፕለስ ኦፍ ኢሪትርያን ሲ( Periplus of the Eritrean Sea) ዝፍለጥ ጥንታዊ መዝገብ ነጋዶ፣ ነዘን ደሴታት ከም ቀንዲ ምንጪ ፣ ናይ`ቲ ብጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ንሰደድ ዝቐርብ ዝነበረ ድርዒ ጎብየታት ምንባረን ይገልጹ።
እኩባት ደሴታት ዳህላክ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚረን፣ ቀንዲ መትኒ መራኸቢታት ንግዲ፣ባህላውን ማሕበራውን ዝምድናታት ናይቶም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወሽመጥ ዓረብን ዝተራእዩ ዝተፈላለዩ ስልጣነታት ብምዃን፣ ንነዊሕ ዘመናት ኣገዳሲ ተራ ተጻዊተን ኢየን። ካብ 7ይ ክፍለ-ዘመን፣ ድሕሪ ምኽታም ጥንታዊ ስልጣነ ወደብ ኣዱሊስ፣ ደሴታት ዳህላክ ፣ ኣብ ትሕቲ እቶም ካብ ወሽመጥ ዓረብ ዝመጹ ኣዕራብ ኣትየን። ኣብ መጀመርታ 8ይ ክፍለ-ዘመን ከኣ፣ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ግዝኣት ካብ ሂጃዝ ዝመጹ ብ ደቂ ኡመያ(Ummayads) ዝፍለጡ ኣዕራብ ወዲቐን። በዚ መንጽር`ዚ ድማ ኣብ ስትራተጂካዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተደኲነን ዘለዋ ደሴታት ዳህላክ፣ ብፍላይ ካብ`ቲ ዘመን ጀሚረን፣ ማእከል ንግዳውን ፖለቲካውን ንጥፈታት እዚ ዞባ ምንባረን፣ ኣብተን ደሴታት ዝርከብ ኣሰራት የረድእ።
ደሴታት ዳህላክ፣ ንኹሉ መስመራት ንግዲ ብምቁጽጻር፣ ቀንዲ ማእከል ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ብምዃን፣ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ካብ ስዋኪንን ባጽዕን እና ተቐበላ፣ ናብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ክልእኻ እንከለዋ፣ ነቲ ካብ ሰፊሕ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስ ናብ ዓበይቲ ዕዳጋታት ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግር ዝነበረ፣ ምንጪ ጥዑም ጨና ዝኾነ ኣቑጽልቲ፣ ቀመማት፣ ዕንዲዳ፣ ወርቂ፣ ስኒ ሓርማዝ፣ ሉልን ድርዒ ጎብየታትን ከኣ ይሰዳ ነይረን። አዚ ናይ ንግዲ ጥረ-ነገራት ንደሴታት ዳህላክ ኣብ`ቲ ዘመን ክብልጽጋ ዝደረኸ ኮይኑ፣ ብካልእ መዳይ ድማ፣ ኣብዘን እኩባት ደሴታት፣ ንግዲ ባራዩ ክስስን ብምጅማሩ፣ ገለ ክፋል ካብቶም ነጋዶ፣ ቀስ እናበሉ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ክሕዙ ክኢሎም አዮም። ከም ውጽኢት እዞም ንግዳዊ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ከኣ፣ ኣብዘን ደሴታት ጽልዋ ካብ ጎሮባብቲ ዝመጹ ሱልጣናት ዓባሳውያንን ፋጥማውያንን ከምኡ ድማ ዝበዳውያን ናይ የመንን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተራእዮም።
እኩባት ደሴታት ዳህላክ፣ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዝቐረባን፣ ኣብ ስትራተጂካዊ መስመር ምጽዋዕን ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስን ዝርከባ ስለ ዝኾናን፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ ተራ ተጻዊተን ኢየን። እዘን ደሴታት፣ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣዕራብ፣ ቱርካውያንን ግብጻውያንን ድሒሩ ድማ መግዛእታዊ ስርዓታት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ምንባረን፣ ስነ-ጥንታውን ታሪኻውን ኣሰራት ሓቚፈን ኣለዋ።
ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት እዘን እኩባት ደሴታት፣ ንመልክዕ ዝነበረ ዓብይ ስልጣነ ዘረድእ ኮይኑ፣ ዝተፈላለዩ ኣሰራት ጥንታውያን መቓብራት፣ ኩፊካዊ ጽሑፍ ዓረብ፣ ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎም ጥንታውያን ናይ ማይ ባስካታትን ኣሰራት ጥንታዊ ህንጻታትን ሓዚሉ ይርከብ። እዞም ኣሰራት፣ ታሪኽ እዘን እኩባት ደሴታት ንነዊሕ ዘመናት ዝዝርጋሕ ምዃኑ ዘረጋግጹ ኮይኖም፣ ኣብ ማያት እዘን ደሴታት ዘለዋ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ዝጠሓላ መራኽብ ድማ ኣካል ስነ-ጥንታውን ታሪኻውን ኣሰራት እዘን ደሴታት ኢየን። እዘን ዝጠሓላ መራኽብ ካብን ናብን ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ዝግበር ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት፣ ፍጻመታት ካልኣይ ኲናት ዓለም ከምኡ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘረድኣ ኢየን።
ብሓፈሽኡ፣ ስነ-ጥንታውን ታሪኻውን ኣሰራት እኩባት ደሴታት ዳህላክ፣ ካብ 1ይ ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ. ክሳብ 16 ክፍለ-ዘመን ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ኣሰራት ዳሕረዎት ዘመናት መግዛእቲ`ውን የጠቓልል። ህላወ ኣሰራት ዝተፈላለዩ ስልጣነታት ኣብ`ዚ ክፋል ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እምበኣር፣ ደሴታት ዳህላክን ምዕራባዊ ክፋል ወሽመጥ ዓረብን፣ ካብ ቅድሚ ምምጻእ ዓበይቲ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጀሚሩ፣ ባህላውን ንግዳውን ዝምድናታት ከም ዝነበሮም የረድእ።
ኣብ 10ይ ክፍለ-ዘመን፣ ኣብዘን እኩባት ደሴታት፣ብተኸታታሊ ንሱልጣናት ዓባሳውያንን ፋጥማውያንን ናይ ምስሪ፣ ከምኡ ድማ ንኣሚራት ዘቢድ ናይ የመንን ዝውክል ሱልጣን ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብ 11-12 ክፍለ-ዘመን(1093- 1250) ድማ፣ እዘን ደሴታት፣ ንቑጠባዊ ንጥፈታት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ትሕቲ ኢል-ሙባረክ፣ ዝመስረቶም ዝተፈላለዩ ሱልጣናት ክቆጻጸራ ክኢለን። ኣብ መጀመርታ 16 ክፍለ-ዘመን፣ ጭፍራ መራኽብ ፖርቱጋላውያን፣ ነቲ ናይ`ቲ እዋን ናይ ቀመማት ንግዲ ንምቁጽጻር፣ ፈለማ ንምጽዋዕ ኣብ 1511 ድሒሩ ድማ ንደሴታት ዳህላክ ኣብ 1513 ብምዝማቱ፣ ኣብ ደሴታት ዳህላክ ዝዓንበበ ሱልጣናት፣ካብ`ዚ እዋን ክዝሕትሉ ከም ዝጀመሩ ይግለጽ።
ብተመሳሳሊ፣ ኣሕመድ ቢን እስማዒል ዝተባህለ ናይ መወዳእታ ሱልጣን እዘን እኩባት ደሴታት፣ ብ 29 ጥሪ 1539 ከም ዝዓረፈ፣ ኣብ ጥንታውያን መቓብራት ዳህላክ ዝተረኽቡ ናይ እምኒ- ጽሑፋት የረድኡ።
ኣብ ጥንታውያን መቓብራት ዳህላክ ዝተወቕሩ ናይ እምኒ ጽሑፋት፣ ካብ 10ይ-16 ክፍለ-ዘመን ዝተሰነዱ ኣገደስቲ ምንጭታት ታሪኽ ስልጣነ ደሴታት
ዳህላክ ኢዮም። እዞም ብኩፊካዊ ጽሑፍ ዓረብ(Classical Arabic Script) ዝወቀቡ ናይ ጥንታውያን መቓብራት ኣእማን፣ ኣስማት፣ መበቆልን ተራን ናይቶም ዝሞቱ ተቐማጦ እዘን እኩባት ደሴታት ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ዳህላክ ይገልጹ። ጸረብቲ ኣእማን፣ ሰፈይቲ ክዳን፣ ሰራሕቲ ነሓስን ኣስራዝን፣ ነጋዶ ዘይቲ፣ ወነንቲ መራኽብ፣ መንፈሳዊ መምሃራንን ካልኦትን፣ ኣብዞም ጽሑፋት ሰፊሮም ዘለዉ፣ ንተራ፣ ዝተፈላለዩ ሰባት፣ ኣብ`ቲ ናይ`ቲ ዘመን ሕብረተሰብ ዝገልጹ ሞያታት ኢዮም። ብተወሳኺ፣ ንክብርን ዝናን ሱልጣናት እቲ ዘመን ዝገልጹ፣ ከም ‘ሓላዊ ሃይማኖት’፣ ‘ስልማት ሃይማኖት’፣ ‘ወሃብ ፍትሒ’፣ ‘ዓብይን ግሩምን ሱልጣን’ ዝብሉ ቅጽላት ገለ ኣብቶም ናይ መቓብር ኣእማን ብኩፊካዊ ዓረብ ተሰኒዶም ዘለዉ መግለጺታት ኢዮም።
ብተመሳሳሊ፣ ፑሊሲ ዝተባህለ ጸሓፍን ተመራማሪ ታሪኽን፣ ሰኒድዎ ከም ዘሎ፣ ኣብ እኩባት ደሴታት ዳህላክ ዝርከቡ ጥንታውያን ናይ ማይ ባስካታት፣ ምስ ምስፍሕፋሕ ፋርሳውያን ካብ ሲርፋ ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተኣሳሲሩ፣ ካብ 7ይ-8ይ ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ.፣ ከም ዝተሃንጹ ይግለጽ። እዞም ጥንታውያን ባስካታት ማይ፣ ነቶም ካብ ደሴታት ዳህላክ ናብ ምስሪ፣ ወሽመጥ ዓረብን ህንድን ዝሽየጡ ዝነበሩ ገላዩ፣ የገልግሉ ምንባሮም ድማ ይሕበር። ኣብ 18 ክፍለ-ዘመን፣ ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝበጽሐ ብሩስ ዝተባህለ ጸሓፊ፣ 360 ናይ ማይ ባስካታት ኣብ ዳህላክ ከም ዝተዓዘበ ይገልጽ። ፑሉሲ’ውን ኣብ 1946፣ 70 ናይ ማይ ባስካታት ኣብ ዳህላክ ከቢር
ከምኡ ድማ 30 ኣብ ኣዳል ከም ዝሰነደ ይፍለጥ። እዞም ጥንታውያን ናይ ማይ ባስካታት ኣብ እኩባት ደሴታት ዳህላክ ተዘርጊሖም ዘለዉ ኮይኖም፣ ዝበዝሑ ድማ፣ ኣብ ዓድታት ደርቢሸትን ከቢርን ይርከቡ። መብዛሕትኦም እዞም ጥንታውያን ናይ ማይ ባስካታት፣ ንመአከቢማይ ብዝጥዕም መስመራት ዝተዋደደሎም ኢዮም። ኣፈ-ታሪኽን ጽሑፋት ታሪኽን ከም ዝሕብርዎ፣ ከኣ፣ ኣብዘን ደሴታት ዝነበሩ ሱልጣናት ይጥቀመሎም ከም ዝነበሩ ይግለጽ። እዞም ጥንታውያን ባስካታት ማይ፣ ንምዕቃብ ማይ ኣብ ምድረበዳ ክውን ብዝገብር ጥበብ ዝተሰርሑ ብምዃኖም፣ ፍሉይነቶም ኣገዳሲ ኢዩ።
ብመንጽር’ዚ ድማ፣ ምስ ባህሪ እኩባት ደሴታት ዳህላክ ብምዝማድ ዝተዋደዱ፣ ፍሉያት ኣብነት ጥንታዊ ምሕደራ ማይ ኣብ ዓለም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ-ዘመን፣ መግዛእቲ ጥልያን ንርሕቀትን ዘይምቹእነትን እዘን ደሴታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ከም መዳጎኒ ነቲ መግዛእታዊ ስርዓት ዝተቓወሙ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ክጥቀመለን ክኢሉ አዩ። ደሴት ናኹራ ከኣ፣ ኣብነት እዚ መግዛእታዊ ታሪኽ ኮይና ፍሉይ ቦታ ትሕዝ። ብተመሳሳሊ፣ ንስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ እዘን ደሴታት ከም ረቛሒ ብምውሳድ፣ ስርዓት ደርግ ምስ ናይ`ቲ ግዜ ሶቭየት ሕብረት ብምትሕብባር ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድምሳስ ዓሊሙ፣ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኣብዘን ደሴታት ሃኒጹ ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ፣ እኩባት ደሴታት ዳህላክ፣ብዘለወን ስነ-ጥንታውን ታሪኻውን ኣሰራት፣ ምስ ባህርያዊ ሃብተን ተኣሳሲሩ፣ ኣብ መጻኢ መስሕብ በጻሕቲ ከም ዝኾና ኣየጠራጥርን። ምዕቃብ ስነ-ጥንታውን ታሪኻውን ኣሰራት እዘን ደሴታት ድማ ኣብ መጻኢ ኣገዳሲ ዕማም ክኸውን ይግባእ።
[የውሃንስ ገብረየሱስ]