
ጸሓፊ ዘካርያስ ገሪማ
በጻሕቲ ዝሰኣልዎ ናይቲ ዘደንቕ መልክዕ ዘለዎ ከበሳታት ስዑድያን የመንን ስእልታት ክዕዘብ ከለኹ፡ ቀስ እናበለ ዓሚቝ ሃረርታዊ ናፍቖት ናይ ሓደ ካብ መጻብቦ ባብ ኢል መንደብ ንምብራቕ ዝርከብ ጥንታዊ ትንግርታዊ ስፍራ ተፈሊጡኒ። ነቲ ኣኽራንን ህዝቡን ኣነባብርኦምን ክርኢ ኸለኹ፣ ኣብ ጉዕዞ ዘመናት እተረስዐ ተዘክሮታት ኣሽሓት ዓመት ናብ ኣእምሮይ ውሒዙ።









ባብ ኢል መንደብ ዝብል ስም ነቲ ኣዝዩ ዘተክዝ ቅድሚ 2500 ዓመት ዘጋጠመ ዛንታ ስደት ጥንታውያን ሳባውያን ንምግላጽ እተዋህበ እዩ። ካብ 800 ክሳዕ 400 ዓመት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ኣብ ዝነበረ ዘመን ብሰንኪ ደርቅን ኲናትን እናተሰደዱ፡ ነዚ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን እስያን ዝርከብ መጻብቦ ኽሰግርዎ ኸለዉ፡ ብብርቱዕ ጓሂ እናልቀሱ ይሓልፍዎ ነበሩ። ስለዚ ድማ እዩ እዚ መጻብቦ ክሳዕ ሎሚ በዚ ‘ደገ ንብዓት’ ዝትርጕሙ ዘሕዝን ስም ዝጽዋዕ ዘሎ።
ባሕሪ ምስሰገሩ፡ ገለ ኻብቶም ስደተኛታት ክሳዕ ዚምባብወ ገጾም ተሰዲዶም። ዝበዝሑ ግና ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብዙሕ ኣየርሓቑን። መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰፊሮም ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎም ኩሻዊ ልሳናት ዝዛረቡ ህዝብታት ተዋሲቦም። ኣብ ገሊኡ ሴማዊ ልሳናት ክዕብልል ከሎ፡ ካልኦት ከኣ በቲ ምውሳብ ከይተጸልዉ ኩሻዊ ልሳናቶም ዓቂቦም።
ነቲ ብጥንቲ እናልቀሱ ዝኸድዎ መሪር ስደትን ስም እዚ መጻብቦን ክሓስብ ከለኹ፡ ናይ ሎሚ ስደትና ይዝከረኒ።መንእሰያት፡ ምድረበዳ ሰሃራን ስፍሓት ማእከላይ ባሕርን ክሰግሩ ኸለዉ ዘሎ መከራን ሓዘንን ይስኣለኒ። ነቲ ናይ ጥንቲ ደገ ንብዓት ካብ ናይ ሎሚ ደገ ንብዓት ዝፈልዮ እንታይ ይኸውን፧ እብል። እቶም ጥንታውያን፡ ከምዘይምለሱ ይፈልጡ ብምንባሮም ሓዘኖም ብርቱዕ እዩ ኔሩ። እቲ ናይ ቀደም ስደት ዝሓጸረ ብምንባሩ፡ ምስሰገሩ ኸኣ ተመሳሳሊ ቅርጺ መሬትን ክሊማን ባህልን ይረኽቡ ብምንባሮም፡ ነቶም ጥንታውያን ዕድለኛታት ቈጸርኩዎም። ሳላ ዘየርሓቑስ ኣነ እኳ ኻብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ኣማዕድየ ደሃይ እቲ ዘፍቅርዎ ዝነበሩ ኣኽራን እገብር ኣለኹ። ካብቲ ናይ 400 ዓመት ስደት ሳባውያን፡ እዚ ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመት ስደት ኣዝዩ ዝመርር ይመስለኒ። ግና ኸኣ ነንዘመኑ ነናቱ መከራ ኣለዎ።
ጥንታውያን ሳባውያን ካብቲ ዓሲር ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ኸበሳታት ደቡብ ምዕራብ ስዑድያን ኣብ የመን ዝርከብ ኣኽራንን ተበጊሶም እዮም ቀይሕ ባሕሪ ዝሰግሩ ኔሮም። እዚ ዓሲር ዝብሃል ዞባ ስዑድያ፡ ካብ 1100 ዓመት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ሳባዊ ስልጣነ እተሰረተሉ እዩ። ርእሰ ኸተማኦም ካብ ሰንዓ 75 ኪሎሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ማሪብ እትብሃል ከተማ ነበረት። እቶም ህዝቢ ብሕርሻ መስኖን ብንግዲ ምኡዝ ዕጣናትን ውሩያት ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ዓሲር ዝነብሩ ደቂ ጥንታውያን ሳባውያን፡ ከምቲ ንሰለስተ ሽሕ ዓመት ኣቦሓጎታቶም ዝነበርዎ ኣብዚ ኣኽራንን ስንጭሮታትን ብመስኖ እናሓረሱ፣ ኣእካል፡ ፍረታትን ቀመማትን የብቍሉ። ከብትን ጤለ በጊዕን ይጓስዩ፣ ንህቢ ውን የፋርዩ። መዓር እዚ ኣብ ስዑድያን የመንን ዘሎ ኸበሳታት ብጽሬቱን ጣዕሙን ካብ ጥንቲ እተወርየ እዩ። ኣብዚ ኣኽራን ዝነብሩ ህዝቢ፡ መዓሮም መግቢ ጥራይ ዘይኰነ፡ መድሃኒት ውን ምዃኑ እዮም ዝምክሑ።
እዚ ጋሻ ቕርጺ መሬት ከም ዝፈልጦ ዀይኑ እዩ ጠላሕ ዝብለኒ። ኣብ ተሪር ኣጻድፍን ኣኽራንን ዝጣዋወ ጽርግያታት፣ ግመን ደበናን፣ ተመሳስሊ ሓመድን ኣግራብን ክርኢ ኸለኹ ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፍኩዎ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቦታ ይመስለኒ። እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከበሳታት ዝፈጠረ መስርሕ መሬት ነዚ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዘሎ ከበሳ ውን ዝፈጠረ እዩ። ብቐይሕ ባሕሪ ምፍልላዩ እንተዘይኰይኑ ብኹሉ ኻልእ መዐቀኒ ሓደ ዓይነት መልክዕን ቅርጽን ኣለዎ። ብራኸን ቅርጽን ኣኽራን፣ ዓይነት ኣኻውሕን ሓመድን፣ ኣብኡ ዝርከብ ኣግራብን ዝነብርዎ እንስሳታትን ተመሳሰልቲ እዮም። እቶም ህዝብታት ናይ 3000 ዓመት ምትእስሳር ታሪኽን ባህል ንኽህልዎም እዚ ተመሳሳሊ ቅርጺ መሬትን ክሊማን ዝዓበየ ተራ ኔርዎ።
ኣብ ጥቓ እታ ኣብሓ እትብሃል ናይ ስዑድያ ኸተማ ዘሎ ኣጻድፍ ልክዕ ነቲ ኣብ ጥቓ ዓዲ ቐይሕ፡ ካብ ቆሓይቶ ንምብራቕ ዘሎ ጻዕዳ ኣጻድፍ ይመስል። ኣብቲ ኣጻድፍ ዝቕመጡ ህዝቢ ውን ተመሳሳሊ ኣተሃናንጻ ዘለዎ ኣባይቲ ሰሪሖም ይነብሩ። ካብ ኣብሓ ርሕቕቲ ኣብ ዘይኰነት ኣል ሓባላ እትብሃል ዓዲ ዝነብሩ ህዝቢ ካብ ቱርካውያን ክሃድሙ ነቲ ዘይብጻሕ ኣጻድፍ መሪጾሞ። ቱርካውያን፡ ናብ ከበሳታት ኤርትራ እናደየቡ ከብቲ ይዝርፉ፣ ንሓንሳብ ውን ህጻናት ይጨውዩ ስለዝነበሩ፡ እዞም ኣብ ኣኽራን ዓሲር ዝነብሩ ህዝቢ ኣብ ጸድፊ ኽቕመጡ ምድላዮም ብቐሊሉ ይርድኣኒ እዩ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ናብ ኣጻድፍ ኣብ ዝጥምት ገማግም ዝርከብ ጽሕዲ፡ ኣብ ገማግም ከበሳታት የመንን ስዑድያን ውን ብብዝሒ ይርአ እዩ። እተን ኣብ ኤርትራ ኻብ ባጽዕ ወይ መንደፈራ ናብ ኣስመራ ዝጕዓዙ ሰባት ኩሉ ሳዕ ዝርእይወን ኣህባይ ኣብዚ ውን ይርከባ። እዘን ዓሌት ኣህባይ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ የመንን ስዑድያን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ኣይርከባን እየን። ገያሾ ብጽባቐ እቲ ኣኽራን እናስተንከሩ ኣብቲ ዝሑል ገማግም ከዕርፉ ኸለዉ፡ ከምተን ኣብ መገዲ ባጽዕ ዘለዋ ኣህባይ፡ እተን ኣብዚ ዘለዋ ውን ቀለበን ክምእርራ ይቐርብኦም። ከምዞም በዚ ኣኽራን ዝሓልፉ በጻሕቲ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ውን ነዘን ኣህባይ ይድነቑለን ነበሩ። ኣብ እምነት ጥንታዊት ግብጺ፡ እዘን ዓሌት ኣህባይ ነቲ ትሖት ዝብልዎ ኣምላኽ ወርሕን ልቦናን ትምህርትን ምጽሓፍን እተቐደሳ ይቘጽርወን ነበሩ።
ብዛዕባ እቲ እዘን ኣህባይ ኣብ ፈርዖናት ግብጺ ዝነበረን ክብሪ እናሓሰብኩ፡ እቲ ትሖት ዝብልዎ ሓደ ካብ ኣማልኽቲ ግብጺ፡ ምስቲ ሳባውያን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ኣልምቓሕ እተባህለ ኣምላኽ ይመሳሰል ኢለ ሓሰብኩ። ንሱ እቲ ኣብ ጥቓ ሰንዓፈ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ መጠራ ኣምልኾኡ ተጻሒፉ ዘሎ እዩ። ኣልምቓሕ፥ ኣምላኽ ወርሒ፣ ተባዕታይ ወኪል ኣምላኽ ጸሓይ ነበረ። ግብጻዊ ትሖት ውን ወኪል እቲ ራዕ እተባህለ ኣምላኽ ጸሓይ ይቝጸር ነበረ።
ምስጋለይ ካብ ጥንታውያን ኣማልኽቲ ናብ ዘመናውያን ህዝቢ ከበሳ ስዑድያ ዛወነ።ኣብዚ ናይ የመንን ስዑድያን ኣኽራን ዝቕመጡ ህዝቢ ዓረብ ክዛረቡ ኸለዉ፡ ኣብ ገሊኡ እቲ ኣወዳድቓን ዜማን ኣዘራርብኦምን ዝፈልጦ ዀይኑ ይስምዓኒ። ንሳቶም ዓረብ፡ ኣነ ከኣ ትግርኛ ኽንዛረብ ከለና፡ ነቲ ጥንታዊ ኣዋድቓ ቓላት ሳባዊ ልሳን ጠቕሊልና ኣይረሳዕናዮን። ምስ ሓደ መበቈላዊ ግጥሙ እተረስዐ፡ ብኻልእ ልሳናት እተደርፈ ሓደ ዝዜማኡ ደርፊ ኣመሳሰልኩዎ። እቲ ኣነ ዝዛረቦ ትግርኛ፡ ዘይፈልጥዎ ጓኖት ክሰምዕዎ ኸለዉ ከምዚ ናይዞም ላህጃ የመን ዝዛረቡ ዀይኑዶ ይስምዖም ይኸውን፧ እናበልኩ፡ ነቲ ሒደት ካብ ትርጉሙ ጥራይ ዝርድኣኒ ዝርርቦም ጽን ኢለ እሰምዖ። ብፍላይ ፍሪኡ ዘይፍለጥ ካብ ርሑቕ ዝስማዕ ጉጅምጅም ክኸውን ከሎ መመሊሱ ወቓሕ ይብለኒ። ብዘይካ ኣዋድቓ ዘረብኦም፡ ነቲ ተቐማጦ እዚ ኣኽራን ንሓድሕዶምን ምስ ኣጋይሽን ዘለዎም ኣቀራርባ ውን ኣለልየዮ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምውስሳእ፡ ልክዕ ከም ኣብ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ዘላ ዓዲ ዝርእዮ ዘለኹ ዀይኑ ተሰሚዑኒ።
ነዚ ኹሉ ኽዕዘብ ከለኹ፡ ኣብ ገለ ሕቡእ ክፋል ኣእምሮና ጥርኑፍ ተዘክሮ ናይቶም ኣብ ኣሽሓት ዓመታት ዝሓለፉ ኣቦሓጎታትና ተሓቢኡ ዘሎ እሞ፡ ነዚ ሃገሮም ዝነበረ ኣኽራን ክርእዮ ኸለኹ በቲ ምድናቐይ ተቐስቂሱ ካብቲ ዝደቀሶ ዝባራበር ዘሎ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ነዚ ኹሉ ኣኽራንን ስንጭሮታትን እንተዝረግጾን ዝድህስሶን፡ ካብቲ ብሰንኪ ንውሓት ዘመን ዝመጽእ ሓያል ዝንጋዐ ታሪኽ መሕወየኒ ኢለ እሓስብ።
እዚ ሓሳብ እዚ ሒዙኒ ናብ መዓልታዊ ናብራ እቶም ጥንታውያን ይኸይድ። ቅድሚ ምስዳዶም መዓልታዊ ናብርኦም ከመይ ይመስል ኔሩ ይኸውን፧ ኣብ ቤቶም፣ ኣብ ማሕረሶም፣ ኣብ ሩባን ኣብ ስንጭሮን፣ ኣብ እግሪ ገረብን ኣብ ጽላል በዓትን፣ ኣብ ጉስነቶም፣ ኣብ ኣምልኾኦም፣ ኣብ ድግስን ኣብ ሓዘንን ከመይ ዝበለ ኣናባብራ ኔርዎም ይኸውን፧ ብርግጽ ካብዚ ኣብ ክልቲኡ ኣፍሪቃውን እስያውን ከበሳታት ሎሚ ዘሎ ኣነባብራ ኣዝዩ ዝፍለ ኣይምዀነን ኢለ እግምት። ከምዚ እናሓሰብኩ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ቅድሚ ቛንቋ ዓረብ ምቕባሎም ዝዛረብዎ ዝነበሩ ቛንቋ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ኽፈልጥ ደለኹ። ንግዕዝዶ ይጥዕም ይኸውን ንትግረ፧ ንትግርኛዶ ይቐርብ ይኸውን ንዓረብ፧
ፊደላት ሳባውያን ምስ ፊደላት ግዕዝ ኣዝዩ ይመሳሰል።ኣብዚ ዝስዕብ ዝርዝር፡ ነቶም ኣብ ግዕዝ ድምጽታት ዘለዎም ብፊደላት ግዕዝ፡ ነቶም ኣብ ልሳናት ግዕዝ ምድማጾም ዘይከኣል ከኣ ብፊደላት ዓረብ ወኪለዮም ኣለኹ።???? ሳሜኽ ኣብ ግዕዝን ዓረብን ስለዘይትርከብ ብናይ ዕብራይስጢ ሳሜኽ ס ወኪለያ ኣለኹ። እዚ ሳባዊ ፊደላት ካብ የማን ናብ ጸጋም እተሰርዐ እዩ።
[???? ሀ – ???? ለ – ???? ሐ – ???? መ – ???? ቀ – ???? ወ – ???? ሠ (ش) – ???? ረ – ???? በ – ????ተ – ???? ሰ(س) – ???? ከ – ???? ነ- ???? ኀ (خ) – ???? ጸ (ص)- ???? ሰ (ס) – ???? ፈ- ???? አ- ???? ዐ- ???? ፀ (ض) – ???? ገ – ???? ደ – ???? ገ/ቐ (غ) – ???? ጠ – ???? ዘ (ز) – ???? ዘ (ذ) – ????የ፡ ???? ሰ/ተ th(ث) – ???? ዘ (ظ) ] እቲ ፊደላት ምስ ግዕዝ ካብ ምምስሳሉ እተላዕለ ንዝበዝሕ ብቐሊሉ ከተለልዮ ዝከኣል እዩ። ብዙሕ ንሕና ዘጥፋእናዮ ድምጽታት ውን ኣብ ፊደላቶም ረኺበ። ንኣብነት ፊደል ‘ኀ’ ከም ተደራቢ ፊደል ‘ሐ’ ጥራይ ዝቘጽሮ ዝነበርኩ፡ እቲ ኣብ ሳባዊ ዝርከብ መዘንኡ ???? (ኀ) ፈኲስ ድምጺ ‘ኸ’ ከምዝነበሮ ተረዲአ። ንኣብነት፡ ሓበሬታ ብትግርኛ ምስ ኣኽባር ብዓረብ (ሓበር፡ ኸበር) ተመሳሳሊ ትርጉም ኣለዎም። ምምስሳሎም ንምርዳእ ኃበሬታ ኢልና ኽንጽሕፎ ኸለና ዝያዳ ይንጽር። ከምኡ፡ ብሳባዊ ወርሒ ???????????? ‘ወርኽ’ ትብሃል፡ ስለዚ ድማ ብግዕዝ ‘ወርኅ’ ይጸሓፍ። ኣሃዝ ሓሙሽተ፡ ብግዕዝ ኃምስት ክጸሓፍ ከሎ፡ ብሳባዊ ኃምስ/ኻምስ፡ ብዓረብ ከኣ ኻምስ ይጸሓፍ። ‘ሰ’ን ‘ሠ’ን፡ ከምኡ ድማ ‘ጸ’ን ‘ፀ’ን ውን ተደራረብቲ ዘይኰኑ ነናቶም ፍሉይ ድምጽታት ይውክሉ ኸምዝነበሩ ተረዲአ። ኣብ ግዕዝ ዘይርከቡ ገለ ቃላትን ድምጽታትን ሳባዊ ልሳን ኣብ ትግረ፡ ትግርኛን ኣምሓርኛን ከምዝርከቡ ውን ኣስተውዒለ። ኣብ ዓረብ ዘይተዓቀበ፡ ኣብ ግዕዝ ግን ዝርከብ ከም ‘ጸ’ ዝኣመሰለ ድምጽታት ኣሎ። ካልእ ድምጽታት ከኣ ኣብ ዓረብ ተዓቂቡ፡ ግዕዝን ተመሳሰልቱ ልሳናትን ግና ኣጥፊኦሞ። ስለ ቛንቋ ምዝራብ መወዳእታ ስለዘይብሉ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ካልእ መዓልቲ ክጽሕፍ እየ።ሓደ ኻብቲ ዝኣከብኩዎ 150 ዝበጽሕ ሳባዊ ቓላት*፡ ‘ወሰን’ እትብል እያ። ሳባዊ ትርጉማ ምስርኣኹ፡ ኣብ ፈለማ 90ታት ዝወጸት ናይ ኣብርሀት ኣንከረ ‘ሓላው ወሰን’ እትብል ደርፊ ዘከርኩ። ግጥማዊ ትርጉም እቲ ኣርእስቲ ኣውሓሲ ዶብ ዘስምዕ እዩ። ወሰንን ዶብን ግና ተመሳሳሊ እምበር ሓደ ትርጉም የብሉን ኢለ እየ ዝሓስብ ኔረ። ብሳባዊ ልክዕ ትርጉም ናይዛ ‘ወሰን’ እትብል ቃል ‘ዶብ’ ምዃኑ ምስርኣኹ ግና፡ ስፍሓት ትርጉም እቲ ቓል ተረዲኡኒ።
ኣብዚ ተምሳጥ ጥንታዊ ታሪኽ እናሓምበስኩ፡ ኣብ ኩሉ ሴማዊ ቋንቋታት እትዝውተር ንሕሉፍ እተመልክት ቃል ‘ታሪኽ’ እትብል ቃል ምዃና ተረዲአ። መበቈል እታ ቓል ካብ ጥንታዊ ሴማዊ ልሳን ኰይኑ፡ ተጠቒሳ ምስ ዝጸንሐት ????????????/ወርኽ እትብል ቃል ዝዛመድ እዩ። ወርሒ ክብሉ ኸለዉ፡ ወርሒ ንመሬት ክትዞራ ዝወስደላ ንውሓት ግዜ፡ ከምኡ ከኣ ብሓፈሽኡ ግዜ ወይ ዕለት ዘመልክት ቃል እዩ። ኣብ ዓረብን ዕብራይስጥን ክሳዕ ሎሚ፡ ታእሪኽ ዕለት ማለት እዩ። ብዓረብ፡ ከም ኣብ ግዕዝ፡ ታሪኽ ማለት ዕለታት ሕሉፍ ምፍላጥ ወይ ምዝንታው ውን የመልክት። ብጥንታዊ ሴማዊ ቛንቋታት፡ እንተላይ ሳባዊ፡ ምውራሕ፥ ወርሕ/ተዋሪኅ/ታውሪኽ/ታእሪኽ ካብኡ ኸኣ ታሪኽ/ تاريخ ዝብል ቃል ንረክብ። ብዘይካ ኣብ ሴማዊ ቛንቋታት፡ ካልኦት ሰላሳ ዝበጽሑ ብዓረብ እተጸልዉ ካብ ቱርኪ ክሳዕ ህንዲ፡ ካብ ማእከላይ እስያ ክሳዕ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ልሳናት ነዛ ታሪኽ እትብል ቃል ከም ዘላታ ይጥቀሙላ።
እቲ ዝኣከብኩዎ ቓላት* ክሳዕ ሎሚ ኣብ ግዕዝ፡ ትግረ፡ ትግርኛን ኣምሓርኛን ሓደ ዓይነት ወይ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ነቲ ቓላት በብሓደ ክርእዮ ኸለኹ፡ ኣብ ጦብላሕታ ታሪኽ የስግል እሞ፡ ኣብቲ ኣኽራንን ኣጻድፍን ስንጭሮታትን እዚ ጥንታዊ መሬት፡ ንቛንቋይ ዝመስል ድምጽታት ዘለዎ ሃሳስ ጉጅምጅም ዓበይትን ቈልዑን ዘለሊ ዘለኹ ዀይኑ ይምስዓኒ። ብሰንኪ ጣቓ ንውሓት ዘመን ንኣእዛነይ እተጻንዖ ሕሹኽሹኽታ ደቂሕድርትና ይመስለኒ። ነዚ ኣብ ጥቓይ ዘሎ ጫውጫውታ ገዲፈ፡ ኣብታ ዘለኽዋ ዀይነ ጽን እንተበልኩ፡ ምናልባት ንገገሊኡ ኻብቲ ዝብሃሃልዎ ዘለዉ ፍሪኡ እሰምዖ እኸውን።
~
*ንዝርዝር ሳባዊ ቓላት ኣብ ታሕቲ ተመልከት።
