ነቲ ትገብሮ ብድፍረት ግበሮ።

እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ኸም ትወሰድ እንተ ተጠራጢርካ ኣይትፈትን። ምጥርጣርካ ወይ ፍርሕኻ ንውሳነኻ ክሃስዮ እዩ። ስለዚ ብድፍረት ወስን፡፡ ብድፍረት ዝፈጸምካዮ ጌጋ ብድፍረት ከተዕርዮ ትኽእል ኢኻ። ንደፋር ሰብ ኩሉ እዩ ዘድንቖ፡ ንፈራሕ ግን ዘኽብር የሎን።

ድፍረትካ ዓቢ እንተ ኾይኑ ውጽኢት ድማ ዝበለጸ አዩ ዝኸውን፡ ኩልና ድኽመት ኣሎና፡ ንነገራት ብድፍረት ምእታው ከኣ ንድኽመትና ናይ ምሽፋን ጥቐሚ ኣሎዎ፡፡ መታለልቲ ሰባት ሓሶቶም ዓቢ እንተ ኾይኑ ዝያዳ ተኣማኒ ከም ዝኸውን ይፈልጡ እዮም። ምሒር ድፍረትካ ንዛንታኻ ዝያዳ ተኣማኒ አዩ ዝገብሮ፡ ኣቓልቦ ሰባት ድማ ይሰርቕ። ንዝኾነ ሰብ ክትሰማምዖ ወይ ድማ ኸተታልሎ ኽለኻ ካብቲ ዝሓሰብካዮ ንላዕሊ ተመጣጠር።

ቀንዲ ግዳይ ዝኸውን ሰብ እቲ ተጣራጣሪ እዩ፥ ሰባት ንናይ ካልኦት ሰባት ድኽመት ናይ ምልላይ ክእለት ኣሎዎም። ኣብ መጀመርታ ርክበካ ኽትመሳሰል፡ ኢድካ ኽትህብ ወይ ከተዝልቕ ዝደለኻ እንተ መሲልካ ነቶም ደሓን ዝብሃሉ ሰባት ከይተረፉ ናብ ሃርጋፋት ኣናብስ ኢኻ ትልውጦም፡ ኩሉ ነገር ኣብ ዝሓሰብካዮ እዩ ዝምርኰስ። ሓንሳእ ከም ምክልኻል ዝመርጽን ከማሳሰል ዝደልን ሰብ እንተ ተራኢኻ ድማ ኣይምሕሩኻን እዮም፡፡

ደፋር ስጕምቲ ኻብቲ ዘለኻዮ ንላዕሊ ዝዓበኻን ዝሓየልካን እዩ ዝገብረካ። ጎቦ ልብኻ ኴንካ ፍርቂ መገዲ ምጕዓዝ ግን መቓብርካ ምፍሓር እዩ፡ ካብ ምሉእ ነብሰ-ተኣማምነትካ ዝንእስ ድፍረት ሒዝካ ናብ ነገራት እንተ ኣቲኻ ባዕልኻ ንነብስኻ ክትዕንቅፋ ኢኻ። ጸገም ክፍጠር ከሎ ኽትደናገር ኢኻ፡ ዘየሎ ኣማራጺታት ከተናዲ ኽትፍትን ኢኻ፡፡ ስለዚ ኸኣ መመሊስካ ጸገማት ትፈጥር። እቶም ፈራሓት ካብ ግዳያት ሃዳናይ ክሃድሙ ኽብሉ ናብ መጻወድያኡ እዮም ዝኣትዉ፡፡

ምጥርጣር ሃጓፋት አዩ ዝፈጥር፡ ድፍረት ግን ይደፍኖም ክትሓስብ ግዜ እንተ ወሲድካ ንኻልኦት’ውን ንኽሓሰቡ ግዜን ዕድልን ትህቦም ኣለኻ ማለት እዩ:: ፍርሕኻ ንሰባት ዘይተደልየ ጸዓት አዩ ዝህቦም፡ ንዓኻ ግን መዋረዲኻ ይኸውን። ፈራሓት ኣብቲ ድሕረባይታ እዮም ሃሲሶም ዝተርፉ። ደፋራት ግን ኣቓልቦ ይስሕቡ ኣቓልቦ ዝስሕብ ዘበለ ድማ ሓይሊ እዩ ዝስሕብ፡፡

The 48 laws of power

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

ሰላም