ናህሪ ምስፍሕፋሕ ሃገራት ብሪክስ

ሃገራት ብሪክስ ብፍላይ ድማ ቻይናን፣ ህንድን ሩስያን ካብ ኩለን ምዕቡላት ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝሰጎመ ሓያል ኢንዱስትርያዊ መሰረት ዘለወን አየን። ብተመሳሳሊ ምስፍሕፋሕ ብሪክስ ንብዙሓት ጥረ ነገራትን ዕዳጋታትን ዓለም ክቆጻጸራ ከኽእለን እዩ። እተን ኣብ ነዳዲ ዓበይቲ መሻርኽቲ ሩስያ ዝኾና ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ውን ናብ ብሪክስ ተጸንቢረን ኣለዋ። ካልአ ውን ኣርጀንቲና ከም ሩስያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ብቐንዱ ስርናይን ካልእ ናይ ሕርሻ ሰደድ አተቕርብ ሃገራት እያ።

በዚ ድማ ገዚፍ ዓቕሚ ምፍራይን ሰፊሕ ዕቑር ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን እቲ ሓድሽ ማሕበር ካብ ቀደም ብዝሓየለ ዕድላት ክረክብ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ብሪክስ ድሮ ልዕሊ 3 ቢልዮን ወይ ኣስታት 40% ካብ ህዝቢ ዓለም ክህልዋ እንከለዋ፡ ሃገራት G7 ምዕራባውያን ድማ 775 ሚልዮን ትሕቲ 10% ህዝቢ ኣለወን። ምስፍሕፋሕ፡ እቲ ሓድሽ ሕብረት ኣብ’ዚ ሕጂ አዋን ክሳብ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ክበጽሕ ይኽእል እዩ። እተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ውን ብቑጠባ እናዓበያን ድሕንነት ህዝበን እናወሰኸ ምስ ከደ ብሪክስ ነተን ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ግምት ከየእተዋ ክስጉማ ክኽእላ’የን እዚ ድማ በብቑሩብ ንምዕራባውያን ሃገራት ኣገዳስነተን ዘስእንን ተነጽሎ ዘስዕብን ዓቢ ዕዳጋ እዩ።ካብተን 54 ነጻ ሃገራት ኣፍሪቃ ውን እተን 49 ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ዋላ እኳ ብምዕራባውያን ጸቕጢ እንተተገብረለን ኣብቲ ርክብ ግን ተሳቲፈን አየን። ሃገራት ኣፍሪቃ ንናይ ምዕራባውያ ሃገራት ምዝመዛን አገዳን ክሳደን ኣቕኒዐን ዝጽየናሉ ግዜ ውን መጽዩ’ሎ።

ካልአ ኣገዳሲ ዝኾነ ፕሮጀክት ብሪክስ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ክፍሊት ዝፍጸመሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ባጤራ ምፍጣር እዩ። ናይ’ቲ ሕብረት ምስፍሕፋሕ ፍሉይ ኣገባብ ክፍሊት ምጅማር ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝያዳ ናጽነት ከምጽእ እዩ። መብዛሕትአን ሃገራት ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዝግበር ንግዲ ጽግዕተኛታት እኳ እንተኾና፡ እቲ ዓቢ ዓቕሚ ዕዳጋታተን ግን ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ካብዚ ጽግዕተኛነት ክገላግለን ክኽእል እዩ።

እቲ ብዋሽንተንን ብራስለስን ኣዝዩ ዝፍቶ ፖሊሲ ቁጠባዊ እገዳ ውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኩሉ ጽልውኡ ክስእን እዩ። ኣብዚ መንጽር እዚ ድሮ ክንመሃረሉ እንኽእል ንጹር ኣብነት ናይ ሩስያ ኣሎ። ባንኪ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ብሰንኪ እቲ ዝኸበደ እገዳ ምዕራባውያን ቁጠባ ሩስያ ብ11.2% ክፈርስ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ምንቁልቋል 2.1% ጥራይ እዩ ነይሩ።

ሩስያውያን ምስ ሃገራት ብሪክስን ግሎባል ደቡብን ብምትሕብባር ነዚ ክበጽሑ ክኢሎም ኢዮም። ኣካይዳ ናይ ምዕራባውያን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ወተሃደራዊ መፍትሒ ምጽጋዕ እውን ዋጋ ከምዘይብሉ አርአዩ አዩ። እንተወሓደ ሩስያን ቻይናን ኑክሌራዊ ሓይልታት ስለዝኾና ብውሑዱ ካብ USA, UKን Franceን ዘይንእስ ናይ ጃምላዊ ጥፍኣት ኣጽዋር ኣለወን። ኣብ ዩክሬን ዝካየደ ኲናት ድሕሪ ሕጂ ብተለምዳዊ ኣጽዋር ክዕወት ​​ከምዘይከኣል ንጹር ኮይኑ’ሎ። ዋላ ኩለን ሃገራት ኔቶ ኣጽዋር ናብ ዩክሬን አንተኣቕረባ ብኸምዚ ዝበለ መጠን ሓገዛት ግን ለውጢ ከምጸኣ ኣይክኣላን። ኣሜሪካ ውን ብሰንኪ ሕጽረት ተተኮስቲ መዳፍዕ ቅድሚ ሕጂ ብዋሽንግተን ኣጠቓቕምኡ “ገበን ኲናት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ክላስተር ቦምብ ከተቕርብ ጀሚራ አያ። ጥቕላላ ንዩክሬን ዝተዋሃበ ቀረብ ከኣ ብውሑዱ(ክሳዕ 2023) 150 ቢልዮን ዶላር ይግመት። ጸረ መጥቃዕቲ ዩክሬን ግን ኣየምጽአን ምኽንያቱ ኢንዱስትሪ ሩስያ ንወተሃደራዊ ሓይሉ ካብ ዝኾነት ሃገር ኔቶ ንዩክሬን አተቕርቦ ብዝበለጸ ንምቕራብ ስለ ዝጻወሮ።

ኣብ ዓለምና ሓዱሽ ጎደና ከምእተኽፍተ ንጹር’ዩ ኣትያቶ ውን ኣላ። ኣፍሪቃ ኸኣ ካብ ናይ ምዕራባውያን አገዳን ምዝመዛን ብልሽውናን ተገላጊላ
ወናኒትን ተጠቃሚትን ጸጋታታ ክትከውን ንምነየላ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

ሰላም