ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝኾነ ሓይሊ ዘይብልና ኾይኑ ኽስምዓና ኣይንደልን ኢና። ዝኾነ ሰብ መመሊሱ ሓይሊ ክውስኽ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ኣብ ዘመንና ምሒር ደላዪ ሓይሊ ምምሳል ግን ሓደገኛ እዩ። መሳኪን ክንመስል ኣሎና። ስለዚ ረቂቕ ክትከውን ኣሎካ፥ ምስኪን ግን ጐራሕ፡ ደሞክራሲያዊ ግን ከኣ ተንኰለኛ።
‘48 ሕግታት ሓይሊ’ ኣብ ሓያላን ዝተመርኰሰት መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ዘሎ ጽሑፋት ናይ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ዕድመ ኣሎዎ። ካብ ዝተፈላለያ ስልጣነታት ዝተወስደ ድማ እዩ፥ ካብ ጥንታዊት ቻይና ክሳብ ናይ ዘመነ ተሃድሶ ኢጣልያ ክሳብ ዘመናዊት ዓለም። ኩሎም ተመሳሳሊ ቴማታትን መተኣሳሰርን ኣሎዎም።
48 ሕግታት ሓይሊ ድማ ኻብዚ ኹሉ ዝተኣከበ ልቦና ተጻርየን ዝተዳለዋ ሕግታት እየን፥ ልቦና ፍሉጣት ሓንጸጽቲ-ስልቲ (ብዓል ሳን-ጹን ክላውዘዊትስን)፡ ፖሊቲከኛታት (ብዓል ቢዝማርክን ታሊሮንን)፡ ወሓለታት (ብዓል ግራስያን)፡ ኣስዳዕቲ (ብዓል ኒኖ ደ ለንክሎን ካሳኖቫን)፡ መታለልቲ (ብዓል ዮሴፍ ዋይል) ወዘተ።
ን48 ሕግታት ሓይሊ ብምንባብ ብዛዕባ ሓይሊ ሓፈሻዊ ግንዛበ ወሲድካ፡ ንሕሉፍካ ኽትንትንን ኣብ ኢድካ ንዘሎ ጉዳያት ክትቈጻጸርን ትኽእል ኢኻ። ወይ’ውን ነዛ መጽሓፍ ኣዳቒቕካ ብምንባብ ንነብስኻ ዳግም ክትግምግም ትኽእል ኢኻ።
ካብዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ብዛዕባ ሓያላን ንዝተጻሕፈ ወግዕታት ብምንባብ’ውን ክትዘናጋዕ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ዕላማ’ዚ ትጥቀሙላ ሰባት ግን ተጠንቀቑ፣ እንተ ገደፍኩሞ ይሓይሽ። ሓይሊ መስድዕን መታለልን እዩ። ሓይሊ፡ ዝተሓላለኸ መገዲ እዩ። ሓይሊ፡ ነቲ ዘጽንዖን ከተግብሮ ዝፍትንን እዩ ዝድግፍ። ነቶም ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝደልዩዎ ይቐጽዖም እዩ።
ብዛዕባ ‘48 ሕግታት ሓይሊ’ ዝተዋህበ ገምጋም፥
“ማኪያቬሊን ሳን-ጹን ኣይትቕሰኑ። ሮበርት ግሪን፡ ሰንጠረዥ ትሕዝቶኣ ብምንባብ ጥራይ’ውን ተንቀጥቅጥ ዓባይ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ።” New York Magazine
“እቶም ዘይደፍሩ በዛ መጽሓፍ ክርዕዱ እዮም፣ እቶም ደፋራት ግን ናብ ምድላብ ሓይሊ ትወስዶም መምርሒ ተጻሒፉሎም ኣሎ።” Publishers Weekly
Reviews
There are no reviews yet.