….. ዓርኪ ዘይደሊ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።
ዓርኪ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ግን ኩላትና ክንፈልጦ ዘለና ጉዳይ እዩ። ኣብ ሽግርን ሓጎስን ኣብ ጎንና ደው ዝብል’ዩ ሓቀኛ ዓርኪ ዝመስለና። ኣብዛ መጽሓፈይ ክገልጾ ዝደለኹ ዓርኪ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ። ዘተባብዕ፡ ተስፋ ዝህብ፡ ቃንዛኻን ሓጎስካን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነገር ውን ንክትገብር ዝደፋፍአካ ዓርኪ’የ ክገልጾ ፈቲነ ዘለኹ። መርዓ ስለ ዝኣተወኒ ገንዘብ ዘለቀሓኒ ዓርኪ ዘይኮነ፡ ካብ መጀመርታኡ መርዓ ንከይጽግመኒ ገንዘብ ንክእክብ ዘተባብዐኒ ዓርኪ’ዩ ዘገድሰኒ።
ስለዚ ከኣ’የ ንሽግር ከም ዘይትፈርሕ ዝገብር ዓርኪ ብሉጽ ሙካኑ ከርኢ ዝተበገስኩ።ሓቀኛ ዓርኪ ጽቡቅኻ ዝደሊ’ካ እንተኮነ ንዕኡ ንክትረክብ ማዕረ ክንደይ ይሕግዘካ ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። እዛ መጽሓፍ ድማ ንኩሉንትናኻ ኣብ ግምት የእትዩ ዓቅምኻ ዝኮነ ነገር ንክትሰርሕ ዝደፍኣካ ዓርኪ ንክትረክብ እትሕግዝ ክትከውን ትምኒተይ እዩ።
Reviews
There are no reviews yet.