ኣቶማዊ ልምድታት፣ እንታይ ዓይነት ዕላማታት ኣሎና ብዘየገድስ፡ ‘ኣቶማዊ ልምድታት’ መዓልታዊ ክንምዕብለሉ ንኽእል መምርሒ ቀሪባትልና ኣላ። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ጠቐምቲ ልምድታት ብኸመይ ነማዕብል፡ ዘየድልዩና ልምድታት ብኸመይ ነወግድን ናብ ብሉጽ ውጽኢት ዘብጽሑና ንኣሽቱ ልምድታት ብኸመይ ንመልኽን ዝምህሩ ግብራውያን ብልሓታት ቀሪቦም ኣለዉ። ‘ኣቶማዊ ልምድታት’፡ ኣብ ዓወትን ምዕባለን ዘሎኩም ኣጠማምታ ክትቀርጾ እያ፣ ባህርያትኩም ንኽትልውጡ ዘድልዩ መሳርሒታትን ብልሓታትን ድማ ክትቅልበኩም እያ።
ካብዛ መጽሓፍ ንመሃሮ፥
✔ ንሓድሽ ባህርያት ዝኸውን ግዜ ምፍጣር
✔ ድርኺት ኣብ ዝሰኣንናሉ ብኸመይ ንግስግስ
✔ ናብ ዓወት ዝመርሕ ኣከባቢ ምድላው
✔ መገድና እንተ ስሒትና ናብ መገድና ብኸመይ ንምለስን ካልእን
Reviews
There are no reviews yet.