መጽሓፍ ንቕሓት ብርትዓውነትን ፍልስፍናን ዝተነድቀት መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ ክልተ ክፋላት ኣለዉ፣ እቲ ቀዳማይ ብዛዕባ ሳይንስ ሓሳባት እዩ። እዚ ማለት ዝበዝሐ ሰብ ከም ዝሓስብ ጥራይ’ዩ ዝፈልጥ፣ እምበር ሓሳባት ብኸመይ ይስርሑ፣ ዕሙቕ ዝበለ ርድኢት ዘለዎ ሰብ ስሕው’ዩ። ስለ ዝኾነ ብዛዕባ እዚ ሓቕታት ኣድማስ ክሳብ ሕጂ ብዝበጽሖም ሰረት ገይሩ ዝተጻሕፈ ክፋል እዩ። እቲ ካልኣይ ፣ ሕቶ ሃይማኖት ዝብል ኮይኑ ብፍሉይ ኣብ ሃይማኖታትን እንታይነቶምን ኣተኲሩ ዝተጻሕፈ ክፋል’ዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ እዚ መጽሓፍ ከምቲ ኣርእስቱ ዝብሎ’ዩ።
ንስኻ ጸገማት ከተአንግ ኣይኮንካን ትነብር ዘለኻ። ኩሎም እዞም ናይ ዘይዕዉት መንፈሳት ካባኻ ኣርሕቆም ባዕልኻ ኢኻ ኣምጺኻዮም ባዕልኻ ከኣ ተጥፎኦም። እዞም ኩሎም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ኣናወጽቲ ጽውጽዋያት ሰብ ካብ ነብሱ ምስ ረሓቐ ዝመጹ’ዮም። ካብ ነብስኻ ኣይተርሕቕ። ዓቕምታትካ ፍለጥ። ንስኻ ሓደ ካብ ኣማልኽቲ እዛ ምድሪ ኢኻ፣ ብጽብብ ዝበለ ኣጠማምታ ኣይትርኣዮ እወ ኣምላኽ ናይ ባዕልኻ ኢኻ።ገባርን ሓዳግን ህይወትካ ሰራሕን ኣዕናውን ጉዕዞኻ፡ ሃንዳስ ቀላጽን ዕብየትካ። ባህልታት ሃይማኖታት ዝማሃሩና ካብ ሓቂ ዝረሓቁ ኣምራት ከም ቁኑዓት ወሲድና ኣብ ዘየለ ሓሸውየ ህይወትና ክንጎትት ንርአ ኢና። መን እንታይ ምሂርካ ብዘይገድስ ሓቅነት ተዘይብሉ ክትገድፎ’ዩ ዘለካ። እትደጋገም ህይወት ዘላትካ ፍጡር ኣይኮንካን፡ ስለዚ ኣእምሮኻ ካባኻ ኣይትፍለዮ ክትብደል እምበር ኣይክትሕገዝን ኢኻ። ኩሎም ሰብ ዝበጽሕዎም መድረኻት ክትበጽሖም ትኽእል ኢኻ፡ ከማኻ ሰባት ኣብኡ ምብጽሖም ንባዕሉ ከም ዝብጻሕ መረጋገጺ’ዩ። ከም ገለ ብገለ ብዝረኸብካዮ ጌጋ ሓበሬታ ህይወትካ ትብክል ከይትህሉ ተጠንቀቕ!ኣካላትካ ኣእምሮኻ ዘንቀሳቕሶ ማሽን’ዩ። ኩሉ ዝትግብሮ ኣእምሮኻ ዝበሎ’ዩ። ዋላ እትመስሎ ንባዕሉ። እምበኣር ኣካላትካ ንዝበልካዮ ክትግብረልካ ዝኽእል ኣጽዋር እዩ። ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ኣእምሮኻ ዝበሎ። ሰብ ንባዕሉ ከዕኑ ወይ ክሃንጽ ዝኽእል ፍጡር’ዩ። ዝበዝሐ ሰብ ግን ነዚ ኣይፈልጦን’ዩ።
ሃይማኖት ሓሳብ’ዩ። ልክዕ ከም ዝኾነ ሓሳብ ከኣ ጽቡቕ ኣለዎ ሕማቕ’ውን ኣለው። ይኹን እምበር ካብ ጽቡቑ ሕማቕ ዝዛይደሉ ምኽንያት ከም ጽቡቕ ስለ ዝውሰድን ንሕቶ ዝተቓልዐ ዘይምዃኑን’ዩ። ኩለን ሃይማኖታት ዝኣምናሉ ኣሎ ዋላ’ኳ ኩሉ ይፈላለ ይኹን እምበር ንሓደ ንኹሉ ዝፈጠረ እየን ዝኣምናን ዘምልኻን። ከም ስነ ሓሳብ ልክዕ ከም ዝኾነ ስነ ሓሳብ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ዘየድላይነቱ ክጎልሕ ይግብኦ፣ ይኹን እምበር ከም ዝኾነ ጸገም ዘይብሉ እዩ ዝውሰድ ከምኡ ምዃኑ ከኣ ሓደ ዓርሞሽሻዊ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ክብሪ እናሓዘ ክመጽእ ጸኒሑን ኣሎን። ስለ ዝኾነ ከኣ ሕብረተ ሰባት ተቆጻጺሩ ንረኽቦ። እናተወራረሰ ካብ ትማሊ ናብ ሎሚ ብዘይተፈልየ ክቕጽል ንርእዮ ኣለና።
እቲ ካልእ ጸገም ሃይማኖት መልሲ ዘይኮነ ከም መልሲ ዝቕርባ ምዃነን እዩ። ሰብ ርትዓዊ ፍጡር’ዩ። ቀጻሊ ክስሕት መቸም ኣይክእል እዩ። እዘን ሃይማኖታት ግን ሰብ ኣብ ክንዲ ብናይ ባዕሉ ድህሰሳን ርኽበትን ህይወቱ ዝነብራ፣ መልሲ ዝቕርባ ምዃነን’ዩ። እቲ መልሲ ቅኑዕን ሓቐኛን እንተዝኸውን ነይሩ እኮ ኣይምተጸልአን እንተኾነ ከምኡ ኣይኮነን። ዓለም ካበይ መጺኣ ህይወት እንታይ እያን ንምንታይ ከኣ መጺኣን ካልኦትን ዝብሉ ከበድቲ ሕቶታት መልሲ ኣለና እየን ዝብላ ሃይማኖታት፣ እቲ ሓቒ ግን ብኣንጻሩ’ዩ።
ብሓፈሻ ብዛዕባ ሳይንስ ሓሳባትናን ጸገማት ሃይማኖታት ብጽፉፍ ሰፊሩ ኣሎ።
ሃይማኖታት ዘድልየን ስለ ዝመገባኻ ጽጉብ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ብዙሕ ተቢዕኻ ዘይመርመርካዮም ነገራት’ዮም ዝጻቡኡኻ ዘለዉ። ብልምዲ ንወስዶም ተግባራት ርጉማት’ዮም። ኣብዚ ኩሉ መምህር ክኾነሉ ዝደሊ ዓለም መምህርካ ኣለሊ፣ ኣይኮነን ትመሃር ዘይኮነስ ትድንቁር ኣለኻ ማለት’ዩ። ኩለም ሃይማኖታዊያን ይኹኑ ትምህርታዊያን ትካላት ዝማሃሩኻ ንዓኻ ስለ ዘድልየካ ዘይኮነስ ንዐኦም ተድልዮም ስለ ዝኾንካ’ዮም ምሂሮምኻ። ከምቲ ዝደለዩኻ መታን ክገብሩኻ ዝመሃሩኻ ጸለእትኻ’ዮም። ፍልጠት ደረቕ’ዩ ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ኣተወ ባዕሉ ኣይንቀሳቀስን’ዩ። ነዚ ዝትገብር ኣተሓሳስባኻ’ዩ። ሰብ ካብ ኣሰራርሓ ተፈጥሮ ምስ ዝወጽእ ዓቕምታቱ ብዘይገድስ ኣብ ስዕረት’ዩ ዝነብር።
ፊልሞን ተስፋኣለም
Reviews
There are no reviews yet.