ነዛ መጽሓፍ እንዳበብካያ ከለኻ ኣብ ዉሽጣ ነቲ ኣገደሲ ሰብ ኽትረኽቦ ኢኻ”ሃንደበት ብዘደንቅ ትዝታን ተዘክሮን ንህይወትካ ምሉእ ብዝልዉጥ ኣገጣሚ ፣ኣብ ወሽጡ ሓደ ዘይረአ ሓይሊ በቲ ሓደ ወገን እወታዊ በቲ ካልእ ከኣ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዝሓዘ።
እዚ ሓይሊ ንባዕሉ ክልተ ኣደነቅቲ ሓይልታት ኣለወም፣ንሃብቲ ንሓጎስ ንጥዕናን ካልእ ኩሉ ጽቡቕ ነገርን ናይ ምሕሳብን ምንጻግን ክእለት ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ሓይሊ እወታዊ ኣተሓሳስባ፣ንሰባት ኣብ ላዕሊ ዘስፍሮም ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ሓይሊ ከኣ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኮይኑ ንሰባት ኣብ ታሕቲ የስፍር’ዩ።ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንገለ ሰባት ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ዝመልሶም፣ ምናልባት እዛ ስዒባ ትቅርብ ኣብነት ጽቡቅ ጌራ ተብርሃልና ትኸውን፣
ድኽነትና ትዕድልቲ ኣይኮነን፣ ኣስቢፈለር ኣብ ሓንቲ ብሕርሻ ትናበር ዝነበረት ድኻ ስድራቤት ኢዩ ተወሊዱ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎ ስራሕ ብምጅማር ወዲ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኮነ ዓረብያ ፈረስ ይሕዝ ነበረ። ኣብዚ ምናልባት ሓደ ወዲ ድኻ ሓረስታይ ብንእሽትኡ ስራሕ ምጅማር ብዙሕ ዘየገርም ከኸውን ይኽእል‘ዩ።
ስድራቤቱ ንድኽነት ከም ትዕድልቶም ተቀቢሎም ልዕሊኡ ተጸበዮም ኣይፈልጡን ኔሮም።
ኣስቢፈለር ግና ብሓደ ነገር ካብ መሳትኡ ዝተፈለየ ኔሩ። ሓንቲ ደስ እትብሎ ኣደ‘ያ ኔራቶ። ዋላ‘ኳ ልዕሊኡ ርእያ ዘይትፈልጥ እንተኾነትይ፣ነቲ ካብ ኢድ ናብ ኣፈ ዝኾነ ናብራኣ ግና ኣብ ደቃ ኽድገም ኣይትቐበለቶን። ኣብ ኣካይዳ ናይ ገዝኣ ሓደ ጌጋ ነገር ከም ዘሎ ትፍልጥ ኔራ። ንደቃ ኸኣ ብዛዕባ ሕልምታት ተዕልሎም ነበረት።
ንኤስቢፈለር” ድኻታት ኽንከውን የብልናን። ህያብ ኣምላኽ ወይ ዕድልና ኮይኑ ኢና ደኺና ኽብለካ ከለኹ‘ውን ስቕ ኢልካ ከይትሰምዓኒ”ትብሎ ኔራ “ድኻታት ዝኾንና ብኣምላኽ ዘይኮነስ፣ ኣቦኻ ይኹን ካልእ ኣባል እዛ ስድራቤት ሃብታም ናይ ምኻን ድሌት ስለዘይያማዕበሉ‘ዩ። ዝኾነ ሰብ ካብ ገዛና ካብዚ ዘለናዮ ንላዕሊ ክኸውን ሓሲቡ ኣይፈልጥን‘ዩ” ዋላ ሓደ ካባና ሃብታም ናይ ምዃን ድሌት ኣይማዕበለን። እዚ ሓሳብ እዚ ኻኣ ኢዪ። ኣብ ኣእምርኡ ብዕምቆት ሱር ኽሰድድ ብምጅማር፣ ምሉእ ህይወቱ ኽቅይር ዘኽኣሎ። ሃብታም ናይ ምኻን ደሌት ውን ሓደሮ። ንኣእምሮኡ ናብቲ ኽገብሮ ዘለዎ ጥራይ ብምዝዛው ከኣ:ካብቲ ኽገብሮ ዘይደሊ ነገር ኽዓጽዎ ጀመረ። ነዚ ዕላማ‘ዚ ንምጭባጥ፣ እቲ ዝቀልጠፈ መገዲ ገለ ነገር ምሻጥ‘ዩ ኢሉ ስለዝኣመነ:ሳሙና ምሻጥ ጀመረ። ድሕሪ ግዜ እታ ንሱ ዝወስደላ ዝነበረ ፋብሪካ ሳሙና $150,000 ትሽየጥ ከምዘላ ይፈልጥ እሞ፣በቲ ናይ ንግዲ ስራሕ $25,000 ኣትሒዙ፣ ነቲ ዝተረፈ $125,000 ካኣ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ልቓሕ ትካላትን ፈለጥቱን፣ ኣኻኺቡ ብምኽፍል፣ነታ ትካል ናቱ ገበራ።
ምስጢር ዓወቱ ኣብ ዝሕተተሉ እዋን እታ ናይ ኣዲኡ ዘረባ ብምጥቃስ‘ዩ ዝምልስ “ንሕና ድኻታት ዝኾንና ብትዕድልቲ ዘይኮነስ ኣቦይ ይኹን ዋላ ካልኦት ኣባላት ስድራቤትና ሃብታም ናይ ምዃን ድሌት ስለዘየማዕበሉ እዩ። ሪኤኹም፣ ይብል‘ሞ “እንታይ ከምዝኾውን እፈልጥ ኔሬ ብኸመይ ከምዝኸውን ግና ኣይፈልጥን ነበሩኩ። ‘”’‘‘ ብምባል ነበሰ—ኣተባባዕቲ መጽሓፍቲ ምንባብ ዕላምኡ ንምዉቃዕ ከምዝሓገዞ ይገልጽ።
ትደልዮ ትፈልጥ እንተዃንካ መዓስ ከምዘጋጥም ንኽትፈልጦ ምቹእ ዝኾነ ዕድል ኣለካ። ምኽንያቱ ትደልዮ ምፈላጥ ዘለኻዮ ደረጃ ብግቡእ ፈሊጥካ ንመጻኢ ዘኺደካ ባይታ ከተጣጥሕ ስለዝሕግዘካ። ኣብዚ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኽትዝፍክሮ ዘለካ ግድን ኣይኮነን ናይ ኩላትና ሂወት ብኸምዚ ናይ ኣስቢፈለር ብሽግር ኽሓልፍ ግድን‘ውን ኣይኮነን ኩሉና ዓቢ ትካል ናይ ምዉናን ዕላማ ኽህልወና። ዕላማ ናይ ዉልቂ‘ዩ። ኣንጻር ሕጊ ወይ ኣንጻር ባህልን ልምድን ኽሳብ ዘይኮ፣ ነቲ ዕላማይ‘ዩ፣ እዚ‘ዩ እቲ ኣነ ኽዕወተሉ ዝደሊ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ዳሓር ኣንፈትካ ናብኡ ተቅንዖ። ብምፍታንካ መክሰብ እምበር ኽሳራ ዝበሃል የብልካን። ዓወት ከኣ በቶም እወታዊ ኣታሓሳስባ ዘለዎም ሰባት‘ያ ትጭበጥ።
Reviews
There are no reviews yet.