ሓርነትካ ካብ ገዛእ-ርእስኻ’ዩ ዝጅምር። ሓርነት ዘለዎ ፍጡር ክሳዕ ዘይኰንካ፡ ብዛዕባ ሓርነት ካልኦት ፈጺምካ ኣይትዛረብ። እተድምጾ ድምጺ፡ ካብ ውሽጥኻ ደፊኡ ኽወጽእ ኣለዎ። ድጋም ክኸውን የብሉን። መቓልሕ ዘይምዃን። ድጋም ምስ ዝኸውን ከም እትሰማማዓሉ ጥራይ ምግላጽ ኣኻሊ’ዩ። እትኸዶ መገዲ ብባዕልኻ ኽቕየስ ክኽእል ኣለዎ። ንዘየፍለቕካዮ ሓሳብ እውን ኣይተሳሲ። ከም ዝፈጠሩኻ፡ ክውንኑኻን ጊላኦም ክገብሩኻን ዝጽዕሩ ምህላዎም ኣይትዘንግዕ። መገዲ ህይወቶም ዘይሃንደሱ መገዲ ህይወትካ ኽህንድሱ እንተ ረኸብካዮም ኣይትደነቕ። ብቓንዛኻ ዝስሕቁን ብሰሓቕካ ዝበኽዩን ብምርኣይካ ኣይትገረም። ሓርነቱ ኣብ ዘየረጋገጸ ፍጡር ዝኽሰት ተርእዮ ምዃኑ ተረዲእካ፡ ንሓርነትካ ጥራይ ተቓለስ።
ብወለላ መደረ ወይ መብጽዓ ኣይትታለል። ከም ኣብ ኵሉ ንጥፈታት፡ ኣብ ምትላል እውን ጥበብ ከም ዘሎ ኣስተውዕል። ብመሳልል መብጽዓ ንተስፋኻ ሰማይ ምስ ሰቐልዎ ምውራዱ ኸይትሽገር፡ ልብኻ ኣውዲቕካ ኣይትቀበሎ። ኵሉ ንጽቡቕካ መሲሉ ዝዝረብ ወይ ዝእቶ መብጽዓ፡ ንሕማቕካ ኽኸውን እውን ዝዓበየ ተኽእሎ ኣሎ። ብግርህነትካ ኻብ እትጠዓስ ግን ጥንቅቕ በል። ካብ ዘውርድዎ ሕቶ፡ መልሲ ድልየታቶም ክትረክብ ክኣል።
ቅልጽም ወይ ጁባ ብዘሕበጠ፡ ንውልቃዊ ሓርነትካ ብዝዀነ ይዅን ዋጋ ኣይተድፍር። ብስጋዊ ዝምድና፡ ብዝና፡ ብዕርክነት ወይ ምሕዝነት፡ ብንዋይ ወይ ብገንዘብ ክሽምትዎ ዝደልዩ ኸጋጥሙኻ እዮም። ክትሸጠሎም ፍቓደኛ ኣይትዅን። “ነጻ ምሳሕ ዝበሃል የለን” ንዝብል ፍልስፍናኦም፡ ካብ ከንፈሮም ዘይኰነ ኻብ ልቦም ክትረኽቦ ኽኣል። ካብ ከንፈሮም ክሳዕ እትረኽቦ እንተ ተጸቢኻ ግን ዓሺኻ ኣለኻ። ብበላሓ ኸም እትፍጠር እሾዅ፡ ዋጋ ሓርነትካ ብብልሕኻ ኸተርእዮም ፈትን። ከምዚ ምስ ዘይትገብር፡ ክምዝምዙኻ፡ ከመሓድሩኻ ወይ ክወራዘዩልካ ዝፍትኑ ኣይሰኣኑን። ንሓርነትካ ዘየቐድም ስጋዊ ዝምድና፡ ምሕዝነት ይዅን ዕርክነት ግን ጐዱፍ ይጽሮን ንጐዱፍ ይኽበዶን።
ኣብ ነብስኻ እንተ ዘይኰኑ ኣብ እኩብ ኣይትእመን። ነብሱ ዘይኣምን’ዩ ኣኼባ ዝፈቱ። ኣብ ውሽጡ ዝሰኣኖ ፍታሕ’ዩ ኣብ ኣኼባ ዝደልዮ። ኣብ በይኑ ዝሰኣኖ ሙቘት እዩ ኣብ ጕጅለ ዘናድዮ። ፍታሕ ሒዞም ዝተኣከቡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ፍታሕ ክደልዩ ዝእከቡ ፍትሒ ኸምጽኡልካ ኣይትመነ። ይዀነኒ’ዩ እትብሎ ኻብ እኩብ ግልል ኢልካ ድለዮ። ንነብስኻ እመናን ትብዓት ኣስንቃን። ወዲቕካ ተንስእ፡ ደጊምካ እንተወደቕካ እውን ደጊምካ ተንስእ። ንኸይትርብርብ ተረባረብ።
ንቓልዓለም ዘይምንባር። ምስሉይነት ኣወግድ። ንነብስኻ ብሓሶት ኣይትጠብራ። ከይትጽላእ ፈሪሕካ ንኽትፍቶ ኣይትመሳሰል። ከሕስረካ እንተ ዘይኰይኑ ዘግዝመካ ኽብሪ የልቦን። ገጽ ርአ ኻብ ምዃን ንዅሉ ነናቱ ሃቦ። እቲ ዝመስለካ ዳሕድሓዮ። ንጸሊም ጸሊም ንጻዕዳ ጻዕዳ እንተ ዘይኢልካ ብሓርነትካ ትዋገ ምህላውካ ፍለጥ። ተገላባጢ መርገጺኻ ኽብሪ ኸም ዘየውህበካ ተገንዘብ። ንገዛእ-ርእስኻ ተኣማኒ ኽሳዕ ዘይኰንካ፡ ብዝዀነ ይኹን ወገን ክትእመን ኣይትጸበ።
መስትያት ህይወት ብዙሕ ከተርእየካ’ያ። ኣብ ጸገሞም ዝሃድኑኻ ኣብ ጸገምካ ዝሃድሙኻ መኻፍልቲ ናብራ ከጋጥሙኻ ምዃኖም ኣይትስሓት። ብእሾኽ ንእተሰርሐ ድልድል ኣብ ማእገርካ ተወጢሖም ዝሰገርዎ ወይ ክሰግርዎ ዝሕልኑ ኽዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ከብዲ እግርኻ ንዝበስዐ እሾኽ ግን ነቒሶም ኣይከውጽኡልካን እዮም። ብኣንጻሩ፡ ኣብ እትደምየሉን እትነብዓሉን እዋን፡ ኣብ ቅርዓት ሕሜታ፡ ንስምካ፡ ልዕሊ እታ ብቓንዛኻ እትሳቐ ወላዲትካ ክደጋግምዎ ኽርኣዩ’ዮም። ሓጥኣን እውን ኵሉ ግዜ ጻድቃናት መሲሎም ከም ዝቐርቡ ተገንዘብ።
ትሕትና ኽህልወካ ሰናይ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ሰብ ዘንብረካ ግን ክኸውን የብሉን። ከም ኣባት ነብሲ፡ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብሉን ከናዝዙኻ ዝጓየዩን፡ ወሰንቲ ድልየታትካን ዕድልካን ብተደጋጋሚ ኣብ ፊትካ ኽግተሩ እዮም። ሕጂ እውን ኣይትሰንብድ። ካብ ኣቀማምራኦም ወጻኢ ኻልእ ኣቀማምራ ኸም ዘሎ ዘየስተውዓሉ ወይ ክህሉ ዘይደልዩ እዮም። ሓሲሙካ ኽርእዩን ክትሰግደሎም ዝጽበዩን ኣለዉ። ክዛረቡኻን ከዛርቡኻን ዝተዓጥቁ ኽተዃትኹኻ ውዒሎም ክሓድሩ’ዮም። ስምዓዮም ግን ኣይትስዓቦም። መቓብርካ ከም ዘይሓልፉልካ ፍለጥ። ከምቲ ዝደልይዎ ስለ ዘይኰንካሎም ከም ዝጽየኑኻ ተገንዘብ። ከምቲ እትደልዮ ስለ ዘይኰኑልካ ኸም ዘይናትካ ርኣዮም። ዕድል እንተ ዘይሂብካዮም፡ ገነት ሓርነትካ ኽዓጽውዎ ሓይሊ የብሎምን። ብልዛዮም ስለ ዘይተሓጸብካ ብረሳሕካ ትነብር ማለት ኣይኰነን። ብልዛዮም ካብ እትሕጸብ ግን ብቐርናዕካ ምንባር ምረጽ። ብሓነትካ ተጸሊልካ ንበር።
ካብ ብፍልጠቶም ብዕሽነቶም ክጸቕጡኻ ዝቃለሱ ኽበዝሑ እዮም። ብዝቘየሱልካ ጎደና ጥራይ ክትመላለስ ዘገድዱ ኽዕንቅፉኻ እዮም። ክፈርዱኻን ከጃጅዩኻን፡ ክቕይዱኻን ክንጽሉኻን ዝስልክዩ ኣይኰኑን። ፈጺምካ ኣይትሰንብድን ኣይትርዓድን። ደልዲልካ ጥራይ ርገጽ። መን ሰንከልከል ኢሉ ሚዛን ስሒቱ ኸም ዝወድቕ ግዜ ጥራይ’ዩ ዝፈርዶ። ኵሉ ቕድመኻ ጸሓይ ዝረኣየ ቕኑዕ ኣይምሰልካ። ብጌጋኻ ዝወራዘዩ ኻብ ጌጋ ሓራ ስለ ዘይኰይኑ ኣይትሰከፍ። ኣማኸርቲ ናይ ዝፈጸምካዮ ጌጋ ክንሶም ኢዶም ከንጽሁ ኽትርእዮም ኢኻ። እዚ እውን ከገርመካ የብሉን። ዝመስለካን እተራእየካን ግበር። ሓላፍነት ዅሉ ንጥፈታትካ ድማ ተሰከም። ጌጋታትካን ድኽመታትካን እመነሎም። ካብኣቶም ዝዓቢ መምህር ከም ዘይብልካ ተረዳእ።
ብሓርነት ኣብ እትዋሳኣ ህይወት፡ ሓርነትካ ዝቕንጥጥ ተዋሳኢ ወይ ኣላዪ ኽህሉ የብሉን። ንገዛ-ርእስኻ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዘይመስሉኻ ኽትመስል ግዜኻ ኣይተባኽን። ድምጽኻ ብዘይውክለካ ድምጽታት ክዕብለል ኣይትፍቀድ። ሓርነት ካልኦት ትደፍር ከይትህሉ ግን ኣስተውዕል። እዚ ማዕዳ መሲሉ ኽስመዓካ የብሉን። ተመኵሮ ዝመወከሲኡ መዘኻኸሪ’ዩ። ክትጥቀመሉን ዘይክትጥቀመሉን ግን ንኣኻ ይምልከት። ነቲ ሓርነተይ እትብሎ ድማ ኽፈታተኖ የብሉን።
ወደሓንካ!
ብርሃነ ገብረሂወት
24 ግንቦት 2016