
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብናይ ጽዕነት መርከብ ኣቢላ ንሩስያ ኣጽዋር ከምዘቕረበት ከሲሱ።
አቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ጥቓ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቀረብ ኣጽዋር ከምዝተኻየደ ኣመልኪቱ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት እቲ ኲናት ካብ ዝብገስ ንደሓር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ግጭት ዘለዋ መርገጺ ገለልተኛን ብድርድር ዝድግፍ ምፍታሕ ምዃኑን ብተደጋጋሚ ገሊጻ አያ። ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ግን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እታ ሃገር ንሩስያ ክትኩንን ተማሕጺነን ነይረን።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽአ ወርሒ ነሓሰ ኣኼባ መራሕቲ ቁጠባዊ ውድብ ብሪክስ ከተአንግድ ምዃና ውን ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ጉጅለ ብራዚል፣ ሩስያ፣ ቻይና፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ህንድን ዝሓቖፈ እዩ።