ክትሕባእ ኣይትኽእልን ኢኻ

#ኣንብብ
by ዮናታን ብርሃነ

C.S.I cyber ዝብል ኣርእስቲ ዝነበራ ተኸታታሊት ፊልም እያ። ብዛዕባ ኣብ ቴክኖሎጅያ ዘሎ ምትላላት እተዘንቱ ናይ ገበን ተኸታታሊት ምርኢት ቴለቭዥን እያ። ኣብ ሓንቲ ክፋል ናይታ ፊልም ሓደ ገበን ተፈጺሙ ነይሩ። ብኸመይ ፈቲሖሞ ክዝክሮ ዘይክእል’ኳ እንተ ኮንኩ፡ ነቲ ፍጻመ ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘስተንትኖ ዘለኹ እዩ። ሎሚ ነታ መልሲ ስለ ዝረኸብክዋ’የ ናባኹም ከብላ ወሲነ።

***

ኣብታ ዓባይ ነፋሪት ልዕሊ ሓምሳ ተሳፈርቲ ነይሮም ይኾኑ’ዮም። ካብ ሓንቲ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ናይ ኣሜሪካ ዝነበረ ጉዕዞ እዩ። ሓድ ካብቶም ተሳፈርቲ ኣመሓዳሪ ናይ ሓንቲ ክፍለ ሃገር ኣሜሪካ እዩ። ሞተረ ነፋሪት ክሳብ ዝዕምር ኩሉ ሰብ ኢንተርነት እናተጠቀመ ሞባይሉ ይጠዋውቅ ነይሩ። እታ ነፋሪት ጉዕዞ ኣብ ዝጀመረትሉ ግን ኩሉ ተሳፋሪ ሞባይሉ ካብ ንጥፈት ከም ተቋርጽ ገይሩ።

እቲ በረራ ብሰላም ተወዲኡ ነፋሪት ኣብ መሬት ዓሊባ። እቶም ተሳፈርቲ ውን ሞባይሎም ናብ ምኽፋት ተጓይዮም። እቲ ሽግር ሽዑ’ዩ ናብ ኩሉ ሰብ መጺኡ። ኣብ ናይ ኩሉ ሰብ ሞባይል ስክሪን “ሞባይልካ ክትጥቀመላ 250 ሽሕ ዶላር ክፈል” ዝብል ጽሑፍ ይንበብ። እቶም ተሳፈርቲ ብዝከኣሎም ጠዋዊቆም ሞባይሎም ናብ ንቡር ክመልስዋ ፈቲኖም። ገሊኦም ኣጥፊኦም ወሊዖማ። ዝተቀየረ ኣይነበረን። ኩለን ሞባይላት ገንዘብ ክፈሉ ዝብል ሓበሬታ ጥራይ ኣብ ገጻተን ወቀጣ።

እቲ ናይ ክፍለ ሃገር ሓላፊ ጸጉሩ ክነጺ ዝተረፎ ኣይነበሮን። ድሕሪ ገለ ደቃይቕ “ኣብ ሞባይልኩም ዘሎ ኩሉ ንጥፈታት ናብ ህዝቢ ከነቃልዖ ኢና፡” ዝብል ጽሑፍ ምስ መጾም’ሞ ዓቢዱ እዩ። እታ ኣብ ጎኑ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ነገራት ዝተረድኣ ኣይትመስልን “ሞባይልካ ደርብያ፡ ሓዳሽ ቀይር” ክትብል ተሰምዐት። እቲ ሓላፊ ኣንጸርጸረ። እቲ ሽግር ንበይኑ ጥራይ ዝምልከት ኣይነበረን። ንዓኣ ውን ናብ ሓደጋ ዘውድቅ እዩ ነይሩ። እዚ ግን ንሱ ጥራይ ዝፈልጦ ምስጢር እዩ።

ድሕሪ ቁሩብ ደቃይቅ እቲ ከባቢ ብፖሊስ መልአ። እቲ ኩነታት ውን “ግብረ ሽበራ” ምዃኑ ተለለየ። እቲ ሓላፊ ክኸፍል ወሲኑ። በዓልቲ ቤቱ ክንድኡ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ኣብ ሞባይሉ ንዘሎ ስእልታት ክኸፍል ምውሳኑ ደንጸዋ። ንከይከፍል’ኳ እንተ ነገረቶ ይሰምዓ ከም ዘይነበረ ምስ ረኣየት ንፖሊስ ሓበረት።

እቶም ፖላይስ ውን ንከይከፍል መዓድዎ። ናቶም ሓሳብ ክቅበሎ ግን ግዜ ኣይወሰደሉን። “ክትከፍል ትኽእል ኢኻ፡ እዞም ሸፋቱ ግን ክፈል ኣይትኽፈል ብዘየገድስ ምስጢራትካ ካብ ምዝርጋሕ ዝዓግቶም የለን። ስለ ዝኸፈልካዮም ክትተኣማመን ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ ቀያሕ ሳንቲምካ ትህቦም በቲ ምስጢራት ጅሆ ሒዞም ገንዘብካ ከርጉፍኻ እዮም። ኩሉ ምስጢራትካ ናብ ካልእ ዓቃቢ ቀዲሖሞ’ዮም።” ስለ ዝበልዎ ጉዳይ ምክፋል ኣቋሪጽዎ።

እቲ ጉዳይ ብንጹር ንክርድኣና፣ እቲ ሓላፊ ናይ ክፍለ ሃገር ውሽማ ነይራቶ። ምስታ ውሽምኡ’ውን ብሞባይሉ ብዙሕ ስእልታት ተሳኢሉ እዩ። እዚ ምስጢር ናብ ህዝቢ ምስ ዝወጽእ እቲ ሓላፊ ስርሑ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ሓዳሩ ብጉቡእ ዘየመሓድር ሰብ ሃገርን ህዝብን ከመሓድር ከም ዘይክእል ኣብ ሕጊ ዝኾነት ሃገር ዝተወቀጠ እዩ። ብተወሳኺ ውን ሓዳሩ ክበታተንን ምሉእ ዕምሩ ዝጸዓረሉ ነገራትን ደቁን ውን ፋሕብትን ክኣትዎም እዩ።

ነዚ ነገር ብኸመይ ክቆጻጸሮ ይኽእል??

ኣብዚ ቅንያት ኣሽሓት ሰባት ብኸምዚ ኣገባብ ጅሆ ተታሒዞም ገንዘብ ክፈሉ ተባሂሎም ይርከቡ። ነዚ ዜና ሕልፍ ክብል ኣብ ህዝባዊ መራኸቢታት ምስ ረኣኽዎ ህዝብና ውን ክፈልጦ ኣሎኒ ኢለ’የ ወሲነ። ምኽንያቱ ወልፊ ሞባይልን እምነት ኣብ ቴክኖሎጅያን ብተዓጻጸፊ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ ኣጠቃቕማኡ ክንፈልጦም ዘሎና ነገራት ኣለዉ።

ገለ ኣብ ጉጅለኣዊ ንጥፈታት ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ሞባይሎም ምስጢራት ክሕዙ፡ ምስ ምስጢራውያን ሰባት ክሰርሑ፡ ብሕጊ ዘይፍቀድ ርክባት ክፍጽሙን ይኽእሉ እዮም። እዞም ዓይነት ሰባት ግን ጥርኑፋትን ብዝሕን ስለ ዝህልዎም ነዚ ነገራት ክግምቱን ክጥንቀቁን ይኽእሉ እዮም። እቲ ሽግር ኣብ ተራ ሰብ እዩ ዝፍጠር።

ንኣብነት፡ ሓንቲ ጎርዞ ምስ ሓደ ወዲ ትላለሞ’ሞ ስለ ዝፈተወቶ ድሌታቱ ከተማልኣሉ ትጅምር። ሓደ ካብኡ ምስቲ ወዲ ብኢንተርነት ኣብ ዝራኸቡሉ እዋናት ብዛዕባ ውልቃዊ ነገሮም ብቀጥታ እናተረኣኣዩ ዝገብርዎ እዩ። ገለ ክፋል ኣካላትኪ ኣርእይኒ ምስ በላ ንሳ ድማ ቪድዮ ክምላኣ ኣይክእልን እዩ ኢላ ክሳብ ትሕቲ ደረታ ተርእዮ። ንሱ ድማ ስክሪን ሹት ገይሩ ንካልእ እዋን ዝኾኖ መበራበሪ ስምዒት ዝኾነ ስእሊ ይሕዝ።

እዚ ነገር ኣቃሊልካ ክርአ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግዳ ድሕሪ ገለ ግዜ እታ ጓል ምስቲ ወዲ ትፈላለ። ነቲ ወዲ ግን ምፍልላይ ኣይተዋሕጠሉን። ክመልሳ ከም ዘይክእል ኣብ ዝፈለጠሉ፡ ንረብሓ ክጥቀመላ ይሓስብ። ስለዚ’ከኣ ነቲ ስእሊ ይሰደላ’ሞ፡ ገንዘብ ምስ ዘይትኸፍሎ ናብ ህዝቢ ከም ዝዝርግሖ፡ ይሕብራ። ኣብዛ ህሞት እንታይ እያ ክትገብር?

ካልእ ኣብነት ውን ክንርኢ ንኽእል ኢና፣ በቲ ሞባይል ባንኪን ዝበሃል መተሓላለፊ ገንዘብ ኢኻ ትጥቀም። እቶም ሃከራት ነቲ ናትካ ምስጢራዊ ቁጽሪ ምስ ዝፈልጥዎ ህይወትካ ምሉእ ዝጸዓርካሉ ገንዘብ ኣብ ደቃይቕ ክትከስሮ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል እዩ። እዞም ሃከራት (ሰበርቲ ምስጢራዊ ቁጽሪ) ናይ ሞባይልካ መቆጻጸሪ ሉጓም ምስ ዝጭብጡ ሞባይልካ ብጀካኻ ካልእ ሰብ ይጥቀመላ ከም ዘሎ ከይፈልጥካ ኩሉ ገንዘብካ ናብ ናቶም መዝገብ ሕሳብ ከስግርዎ ይኽእሉ።

እዚ ድማ ሞባይልካ ዋይፋይ፡ ብሉቱዝ፡ ሆትስፖትን ካልእን ተኸፊታ ምስ ኣፍቃሪትካ እናኣዕለልካ ከሎኻ(ብዓይንኻ ሞባይልካ እናረኣኻያ) ገንዘብካ ክቆምሩ ዘኽእሎም ባይታ ምጥጣሕ እዩ። ዝተገረመ ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ግን ናይዚ ዘለናዮ ዘመን ጥበብ ስርቂ ብርኩት መጠን ገንዘብ እዩ።

ሞባይልካ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ዝርከብ መምልኢ ሓይሊ ምስኳዕ ውን ሓደ ካብ ኣስጋኢ ንጥፈት እዩ። እዚ ጥራይ ግን ካብ ምትላልን ስርቅን ጭኮናን* ኣየድሕነካን እዩ።

ብዛዕባ ቴክኖሎጂያዊ ጭኮና ንጥፈት ትካላትን መንግስታትን ኣብ ዝቅጽል መዓልታት ክጽሕፍ’ኳ እንተ ኮንኩ፡ ኣብ ቴክኖሎጅያ ተኣማሚንና እንገብሮ ወፍሪ ግን ድሓር ናብ ፍጹም ዲክታተርሽፕ ከየምርሓና ዘስግእ እዩ።

ብዝኾነ ኣብዚ ዘመን ካብ ምትላልን ስርቅን ቴክኖሎጅያ ሓራ ንክትከውን ሓደ መፍትሒ ጥራይ እዩ ዘሎ። “ኣብ ሞባይልካ ምስጢር ዝበሃል ከም ዘይህልወካ ምግባር።”

ኣብ ሞባይልካን ላብቶፕካን ካልእን ዘሎ ኩሉ ንጥፈታትካ ዳሕራይ ንዓኻ ዘጥቅዕ ከይከውን ደጋጊምካ ምፍታሽ የድልየካ ኣሎ። ሰብኣይ ከለኪ ምስ ካልኦት ኣወዳት ትጸሓሓፊ እንተ ሃሊኺ፡ እንተ ተፈሊጥኪ ድማ ኣብ ሓዳርኪ ጸገም ዘምጽኣልኪ እንተ ኮይኑ፡ ይትረፈኪ። በዓል ቤትኪ ንሓደ ካብቶም ናይ ምስጢራዊ ቁጽሪ ምስባር ዝኽእሉ ሃከራት ቆጺሩ ክከታተለኪ ዘጸግሞ የብሉን። ንዓኻ ውን ከምኡ።

ኣብ ዘመን ቴክኖሎጅያ ምስጢር ዝበሃል ነገር የለን። ኩሉ’ቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሰቅሎን ነቀምጦን ነገራት ናብ ዝኸዶ የብሉን። ዋላ ውን ንዓና ዝሃሲ እንተ ኮነ!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

ሰላም