“ኣንታ ንስኻ መጽሓፍ ኣይተሕትምን’ዲኻ”፧


“ኣንታ ንስኻ መጽሓፍ ኣይተሕትምን’ዲኻ፧ በቃ ኣኸለት ፡ ቀረበት፡ ተሓትመት፡ ትውዳእ ኣላ፡ ኣይበሰለትን፡ እናበልካ ዓመታት ክትገብር፧ ግደፍ እባ ሓደ መዓልቲ: ገለ ቁሩብ ዕምባባን ቆሎን ጋብዘና። ብሽኮትን ሕብስትን ከኣ ዋላ ባዕልና ንምልኣልካ።” ዘረባ ሓደ ደላይ ጽቡቕ ሓውና ምዃኑ እዩ። ብባህልና መሰረት ድማ ንደላይ ጽቡቕካ፡ ጽን ኢልካ ኢኻ ትሰምዖ። ቃሉ ክተኽብረሉ ኸኣ ግቡእ መሰለኒ’ሞ፡ ብዜሮ ኣፍራይነተይ ተሰከፍኩ። ከም ሰብ መጠን ሰኸኽ በልኩ።

ሓደ እዋን ቅድሚ ሓያለይ ዓመታት ምዃኑ እዩ፡ እንድዒ ክንድ’ዚ እኳ ኣይብሎን። “ሰባት ስለምንታይ እዮም ከንብቡ ዘለዎም፧” ዝብል ግሩህ ሕቶ፡ ናብ ካልእ ጫሌዳ ሕቶ ክስንድወኒ እዝክር። “እቶም ዝጽሕፉ’ኸ ስለምንታይ እዮም ዝጽሕፉ፧” ብምባል ቁሩብ ሸንኮለል በልኩ። “እቶም ዝጽሕፉ ኮነ እቶም ዘንብቡ ሰባት፡ ክበስለሎም ዝደልይዎ ነገር ስለዘለዎም እዮም፡” ዝብል ግዝያዊ መደምደምታ ድማ ብኢደ ዋኒነይ ፈጠርኩ። ብውሑዱ ነታ ናይታ እዋን እቲኣ ነብሰይ ከዐግሰለይ ዝኽእል ንእሽቶ ምላሽ ኮይኑለይ’ውን ቀነየ። “እቶም ዘይጽሕፉን ዘየንብቡን ሰባት፡ “ናይዛ ዓለም’ዚኣ ሕቶታትና ተመሊስልና
እዩ፡ ብዙሕ ምድካም ኣየድሊን እዩ፡” በሃልቲ እዮም። “እቶም ነንሕድሕዶም ዝናበቡን ዝጸሓሓፉን ዘለዉ ሰባት ከኣ፡ ውሽጣዊ ሰባዊ ሕቶታቶም እዩ ዘዕለብጦም ዘሎ።” ክብል ንግዜኡ ረዓምኩ። ካልእ መጓታይ ክሳብ ዝረክብ።

ኣብ’ቲ እዋኑ፡ ከም ሰብ መጠን ሕቶታት ግዲ ኔሮምኒ ኮይኖም ከኣ፡ ጸሓፍ ጸሓፍ መጸኒ። ክሓናጥጥ ብሂገ፡ ደራሳይ ክኸውን። ኣየ እዚ ናይ ወዲ ሰብ ነገር፡ ብባህጊ ክትብገስ ከሎኻ ጥዑም እዩ። “ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ እዩ፡” ከምዝበሃል ኣብቲ መፈለምታ እዋን፡ ብዙሕ ትምኒት’ዩ ዝነበረ። መጽሓፍ ክኸውን እንተኾይኑስ፡ ክንዲ ‘ቋንጣ ክረምቲ’ ዝምርጓዱ ክኸውን የብሉን። ንኽትሕዞ ኮነ ንኽትበጽሓሉ ዘየሕፍር፡ እንተኾነ ክንዲ ሕንባሻ፡ እንተሓመቐ ከኣ ክንዲ ‘ሃንዛ ዕፉን’ ክረጉድን ክኸብድን ኣለዎ። ኣንባባይ ከኣ ሓንቲ ሓሙሳ ናቕፋ መሰስ ኣቢሉ ዝውንኖ ዘይኮነስ፡ እንተሓመቐ ፍርቂ ናይ ሓደ ወርሒ መሃያኡ፡ ባህ እናበሎ ቅልጥ ቅልጥ ኣቢሉ ከውጽኣሉ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ትሕዝቶኡ እንተመጺእካ ከኣ፡ ኣብ ታሪኽ ምሕባእ ክህልዎ የብሉን። እዚ ሱቕ ኢልካ ካብ ህሉው ክትሃድም ክትብል፡ ኣብ ሕሉፍካ ዑቕባ ምሕታት ክተርፍ ኣለዎ። ወዘተ ብዙሕ ተሓስበን ተተንተነን።
“ጽቡቕ ዘየንብብ ሰብ፡ ጽቡቕ ክጽሕፍ ኣይእልን እዩ፥” ዝብል ብሂል ኣሎ። “ምንባብ እሞ ብዙሕ እንድዩ ዓይነቱ፡” ዝብል ከኣ ኣሎ። ማለት “ካብ መጽሓፍ ዘንብብ ኣሎ፡ ካብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ሰባትን ነገራትን ዘንብብ ኣሎ።” በሃላይ እዩ። “እሞ ሓበሬታታት ካብ ምንታይ እንተዋህለልካ እዩ ዝሓይሽ፧ እዋእ፡ እንተኽኢልካስ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ክትገናጽል ኣሎካ። ኖኖ! ዓቕሊ እንተተረኽበስ እባ ነቶም ኣብ ከባቢኻ
እትዕዘቦም ሰባትን ኣእማንን፡ ባህርያቶም ጽሙቕ ኣቢልካ ናብ መጽሓፍ ምቕያሩ ይሓይሽ። ወዘተ. . . ገለ ካብቶም ኣብቲ እዋን ናይ ንእስነት ምዕልባጥ፡ ዝወርዱን ዝድይቡን ዝነበሩ ሓሳባት እዮም።

ባህሪ ስራሐይ ምስ ብዙሓት ሰባት ዘራኽብ ግዲ ኔሩ፡ ገጸ-ባህርያት ከም ድላየይ እረክብ። ባህርያቶም ከኣ ምጭባጥ ክሳብ ዝስእኖ እገላበጡኒ። እቲ ማእከል ስሕበቶም ኣብ ምንታይ ምዃኑ ክረክብ፡ ሃሰው ምባል ስራሐይ ገበርክዎ። ብፍላይ ኣብ ከባብየይ ዝዕዘቦም ዝነበርኩ፡ ገለ ሃብቲ ኣሎና በሃልቲ፡ ገለ ስልጣን ኣሎና በሃልቲ፡
ገለ ዝያዳ ልቢ ኣሎና በሃልቲ፡ ፈጣሪ ልዕሊ ሰብና ጌሩ ፈጢሩና እዩ በሃልቲ፡ ኩሉ ተግባራቶም ጸሓፎ ጸሓፎ መጸኒ። ሓሳባት ካብ ሓደ መጽሓፍ፡ ጽሙቕ ኣቢልካ ምጽሓፍ ደኣ እንታይ ክንድ’ዚ ክኸብድ ኢሉ? ደይ፡ ኣተርጉም ኣቢልካ፡ ኣርዕም ኣቢልካ፡ ኣመሓይሽ ኣቢልካ፡ ኢኻ ተቕርቦ። “ንኽትርደኦም ኣሸገርቲ ዝኾኑ ገጸ-ባህርያት፡ ኣብቲ ጎደናታት፡ ኣብ ኣብያተ ሻሂታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈታት እዮም ዝርከቡ፡” ዝብል ሓሳብ ጸይረ ንስራሐይ ተተሓሓዝክዎ። እቲ ካልእ ዋኒነ ዕዮይ ክሳብ ዝርስዕ ድማ ገበሩኒ።

እቲ ዕዮ ኣወለይ ግዲ ኮይኑ፡ ብዙሕ ኮለል ኣበለኒ። እቲ ዘይንቡር ነገሩ ከኣ፡ ኣብ ኣብያተ ሻሂ ኣደብ ጌርካ ምስ ኣዕሩኽትኻ ክንዲ ምዝንጋዕ፡ ኣእዛንካ ልዕሊ ዓቐን ነፊሕካ ዕላል ናይ ጎረቤት ጣዋሉ ምጥባው ስዒቡ። ኣብ ኣብያተ ዕዮታት ወይ ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ሰባት ክወፍሩን ክፍደሱን ከለዉ፡ ነቲ ጥረ ነገሮም ክተለሊ ኢልካ ቀልባዕባዕ በዚሑ። “ካበይ ናበይ እዩ ክስጒም ዝፍተን ዘሎ፧” እናበልካ ህርድግ ትብል። ሓንቲ ምሸት ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ፡ ከም’ታ ሓሳብ ልበይ፡ ኣብታ ጎረቤት ጣውላ፡ ሓደ ዓቢ ኣቦ ምስ ሓደ መንእሰይ ዲቕ
ዝበለ ክትዕ ከፊቶም ከዋግዑ ኣብ ምጅማሮም ረኸብክዎም። ከምኡ ዓይነት ደረት ልቢ ዝትንክፍ ክትዕ፡ ኣብ መንጎ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋን መንእሰያትን፡ ቅድሚኡ እዋን ኣብ ዕምረይ ኣየጓነፈንን። ጌጋ ደኣ ይኽለኣለይ እምበር፡ ዋላ ኣብ መንጎ ኣቦን ወዱን።
“ዓይነት ዘለዎ ሰብ ቀደም እዩ ኔሩ እምበር ሎሚ ደኣ፡ ኣበይ ኣሎ ሰብ፧”
“እቲ ንስኹም ሰብ እትብልዎ፡ እንታይ ዓይነት ፍጡር ድዩ፧” እቲ ወዲ ሓያል ሓታቲ ከይኮነ ኣይተረፈን።
“ሰብ ደኣ፡ ኣብነታዊ ሰብ።”
“ኣብ’ዚ እትብልዎ ዘለኹም ግዜ፡ ብዙሓት ኣብነታውያን ሰባት እንተኔሮም እኮ፡ እዚ ንነብረሉ ዘለና ቦታ ናይ ዓለም መወከሲ ከግብሮ ዝኽእል ትሕዝቶታት ክህልዎ ኣለዎ። እቶም ኣብ ውሽጢ ገለ ዓመታት ስልጥንቲ ሃገር ንደቂ ደቆም ዘውረስዎም ጃፓናውያንን ሲንጋፖራውያንን’ከ እንታይ ዓይነት ሰባት ኔሮም እዩ ክበሃል፧” እቲ ወዲ ካብቲ ዝገመትክዎ ንላዕሊ ንግርም ዝበለ ምዃኑ ዳግማይ ኣመስከረለይ። መወከሲታት ናይ ክልቲኦም ሰባት ነንበይኑ ምንባሩ ከኣ ኣይደንጎየን በርሃለይ።
“እዚ ኩሉ ዘሐብን ታሪኻዊ ፍጻመታት’ከ
እንታኖኻ ከፊኡካ፡ ሕጂ ናይ ጃፓን’ዶ ገለዶ እናበልካ ኣይተሀውትተና።” እንደገና ነቶም ዓቢ ሰብኣይ ብትዕግስቶም ኣድነቕክዎም። ብዙሓት ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ፡ “ልዕሊ ሰብና ብሉጻት ወሎዶ ኢና ኔርና፡” ክብሉ ከለዉ ንዝምልሰሎም ሰብ ከጉባዕብዕሉ ብዙሕ እዋናት ተዓዚበ ኣለኹ። ትዕግስቲ ናይ’ቶም ኣቦ ከኣ፡ ተፈተውኒ። ንጽሕፈተይ ዝኸውን ዝብላዕ ጥረ ነገር ዝረኸብኩ ኮይኑ ስለዝተሰምዓኒ ከኣ፡ ኣእዛነይ ልዕሊ ዓቐን ኩር ኣበልክወን። ጸሓፋይ ማለት፡ “ወጣም ሰብ፡” ማለት እንደኣሉ።
“ማለተይ’ሲ፡ ነቲ ጅግንነታዊ ፍጻሜታት ናይ
ዓድና ከስተናዕቖ ኢለ ኣይኮንኩን። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ከምኡ ዝመሳሰል ትሕዝቶ ክትረክብ ኣሸጋሪ ምዃኑ’ውን ይርደኣኒ እዩ። እንተኾነ ግን ዓለምና፡ መማህራን ፊንላንድ፡ መርከበኛታት እንግሊዝ፡ ፈላስፋታት ግሪኽ፡ ጠፈርተኛታት ሩስያ፡ ስፖርታውያን ብራዚል፡ ወዘተ. . . እያ ትፈልጥ’ኖ! ወዲ ሰብ በቲ ኣብ መወዳእታ ዝገደፎ ትሕዝቶ እዩ ዝምዘን። ንሕና ድማ ከም ሕብረተሰብ፡ ነቲ ዘሎና ወታሃደራዊ ታሪኽ በቲ ኪሰጋገረሉ ዝግባእ መዐቀኒ ነቲ ክብርታቱ ኣሰጋጊርና፡ ኣብ ቁጠባዊ ህይወት ክንደግሞ ከሎና ጥራሕ እዩ እቲ ታሪኽ ዝምቅር። “ዓለም፡ ካብ ኔሩኒ ኣሎኒ እያ ትፈቱ ኣቦ!” እቲ ወዲ ሓያል መምህር ክኸውን ኣለዎ። “ንሕና ደኣ ደጊም ድሕሪ ሕጂ እንታይ ኣሎና፧ እዚ ትብሎ ዘሎኻ ንዓኻትኩም ዝምልከት እዩ።”
“ከምኡ እንተኢልኩም ደኣ፡ ንሕናስ እንታይ ኣሎና፧ ጽቡቕ እንተውሪስኩምና ጽቡቕ ንቕጽል። ኣጣላላምን ኣካሓሓድን እንተምሂርኩምና ከኣ ደይ ንዑኡ ኢና ነማዕብሎ።” ኣብ መወዳእታ ክልቲኦም፡ ማለት እቲ ዓብን እቲ ንእሽቶን ናይ ዝገበርዎ ፍጻሜታትን ዝነበርዎ ህይወትን ሓላፍነት ካብ ምስካም ናብ ምህዳም ዝመረጹ ከይኑ ተሰምዓኒ። “ጸሓፊ ገጸ ባህርያት ይድንድን እዩ” ይበሃል እዩ’ሞ፡ ነቲ መደምደምታ ትሕዝቶ ዘረባ ናይ’ቶም ሰባት ኣብ’ቲ ጽሑፈይ ከስፍሮ’ዶ ክገድፎ ኢለ ድማ፡ ብዙሕ ተማታእኩ። ድሕሪ ሓያለይ ነግፈረግ መቸም፡ ካብታ ዕላል እቲኣ ሓደ ምዕራፍ ዝኸውን ትሕዝቶ ሰራሕኩ። ከምቲ ዝርደኣኒ ጌረ ድማ ኣብ ቦታኡ ኣስፈርክዎ።
ጸሓፊ፡ ካብቲ ዝሰምዖን ዘንበቦን ተበጊሱ፡ ምግናንን ንነገራት ምጥምዛዙን ከኣ ዘይተርፍ ግዲ ኮይኑ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣበሃህላታት ወሰኽኩ። “ህይወት መቐረታ ኣብ ነንሕድሕድካ ምውንጃል ዘይኮነስ፡ ኣብ ምምልላእ እዩ። እቲ ዓብየ እየ በሃሊ፡ “ኣነ እቲ ዝመስለኒ ጌረ ካብዛ ዓለም እሓልፍ ኣለኹ፡ ደቀየ ዝዕረ ኣዐሪኹም ዝምላእ መላሊእኩም፡ ንዓለምኩም ንበርዋ። ደረጃ ኣተሓሳስባይን ብቕዓተይን ከኣ፡ ብናይ እዋኑ መዐቀኒታት ክትርዱኡለይ እንተፈተንኩም ይሓይሽ።” ክብል
ከሎ እዩ መዓርጉ። እቲ ንእሽተይ ከኣ፡ ነተን ኣበራት ዝብለን ጥራይ ክኣራሪ ግዚኡን ጸዓቱን ካብ ዝውድእ፡ ንዝጽገን እናጸገነ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ክፈጥር ከሎ እዩ።” ክብል ኣስፈርኩ።

ዕድመ ንእስነት ጸዓት ናይ መጻኢ እንተኾይኑ፡ በቲ ጥበቡ ጌሩ ንመጻኢኡ መንገዲ ከትሕዞ ከሎ እዩ። ነቲ ወግዒ ሽማግለን መንእሰይን፡ ከምዚ ዝብል ትሕዝቶ ምስመላእኩሉ፡ ጸሓፋይ ክኸውን ዝተቓረብኩ መሰለኒ’ሞ፡ ከም ሰብ መጠን ቁሩብ ተሓጎስኩ።
ከምዚታት እናኾነ መቸም፡ መዓልታት ይዓርቡ፡ ዓመታት ይሓልፉ። ግዜ እዚ ሌባ ብወገኑ፡ ገና ከጻርዮ ዝነበሮ ሓቅታት ግዲ ተሰኪሙ ኮይኑ ስቕ ኢሉ ይዕዘር። እታ መጓዕዝተይ ክትኮነኒ ዝሓሬኽዋ’ሞ፡ ምሳይ ዝነበረትን ዘላን ከኣ፡ “ኣብ ምምራቕ ዘይበጽሕ፡ እንታይ ዓይነት መጽሓፍ እዩ’ዚ፧” እናበለት ልበይ ኣጥፈኣትለይ። ኣብ ርእሲ ድንቁርናይ ክተደንቁረኒ ደለየት። ኣነ ዝተመነኽዎ፡ ከም ኣደይ እምንቲ በዓልቲ ቃል-ኪዳን ክትከውን’ሞ፡ ኣብ’ቲ ዓቐበ ቁልቁል ዝበዝሖ ጉዕዞ ህይወት ኣብዛ ጎድነይ ለጊባ ክተሳጉመኒ እዩ። እንተ ንሳ ድማ፡ ናብቲ ምዕራፍ ንምብጻሕ ተሃዊኻ። ምዃን ሓቃ፡ ኣይ ስጋ ለበስ እንድያ፡ እዚ’ኳ! ንመመረቕታን ደስታን
መን ዘይብህገን? ገሊኦም ባድላታት ተኸዲኖም፡ ገሊአን ከኣ ነዊሕ ጥልፈን ዘው ኣቢለን፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ወጺኦም ክረኣዩን፡ ወዛሕዛሕ ክብሉን ክንደይ ግዜ ርእየ ኣለኹ። ስለዚ፡ ከም ግምተይ እንተኾይኑ እዚ ፌስታን ውራያትን፡ ኣዝዩ ምቁር ክኸውን ኣለዎ። ነገራት ነንሕድሕዶም እናተዋጠጡ ነታ መጽሓፈይ ናብ ምዝዛም ከምዘይትበጽሕ ይገብርዋ ምህላዎም ከብርሃላ ፈተንኩ። ግን ከኣ፡ ዘይወሓጠላ። ገለ እንተተረደአትለይ ኢለ፡ “ኣንቲ ከመይ ከመይ ኣቢሉ እዩ መጻሕፍቲ ዝኣኽለሎም ዘሎ፧ ከክንዲ እምባታት ዝኸውን ጥቕላል ሕቶታት ኣብ ቀቅድሜና ተገቲሩ እናሃለወ፡ ነቲ መጻሕፍቶም ኣብ’ቲ መወዳእታ ምዕራፋቱ እንታይ እናበሉ ይዛዝምዎ ኮን ይህልዉ፧” እናበልኩ ዚ’ዓቕመይ፡ ኣግርሞተይ ከሰጋግረላ እፍትን። “ፈጺማ ኣይትርዳኣለይን እያ፡” ዝብል ግምት ድማ ኣይነበረንን። ዋላ’ውን የብለይን። እንተዘይትኸውን’ሲ
እዚ ኩሉ ዓመታት ክሳብ ክንዳኡ ኣይምተዓገሰትንን። እምበር ባህሪ ናይ ገሌና ደኣ መዓስ ዝጽወር ኮይኑ። ንሳ ትዕግስታ ክትውስኸሉ ከምዝጀመረት ብዘስተብሃልኩ
ከኣ፡ እንደገና ሃሰስ መሰስ ምባል ይቕጽል። “እዚ ግዜ ጎሰስ እናበለ፡ ኣብ መወዳእታኡ ለባማት ሰባት እንተረኸበ ብዘገምታ ይጽበ እዩ ዘሎ።” ክበሃል ሰማዕኩሞ፡ ናብ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት ኣእዛነይን ኣዒንተይን ተኺለ፡ ንጽሑፈይ ዝኾኑኒ ገጸ ባህርያት እንተረኸብኩ ዚ’ዓቕመይ ፈተሽኩ። ግዜ እናሃብኩ’ውን ክቕጽል ፈተንኩ። ደላዩ እንታይ ዘይገብር? እዋእ ኣብ መወዳእታኡስ፡ “እመስገኖ ፈጣሪ” ከብሉኒ ዝኸኣሉ፡ ገጸ ባህርያት ጎነፉኒ። እቲ መለክዒ ሚዛን፡ ብመዐቀኒ ናይ ካልኦት ምኩራት ዝበሃሉ ደረስቲ፡ ቄናን ከይከውን ከኣ እትስፎ። ምልእቲ መዓልቲ፡ “ኣርሰናል ተሳዕረት፡ ድሙ ተዓንቀፈት፡ ማንቸስተር ተደግመት!” ዝብል ዛዕባ ኣልዒሎም ንጸሓይ ኣብሪቖም ዘዕርብዋ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣርእስቲ ክቕይሩ ኣስተብሃልኩ። “ንሓቂ፡ ብኽልተ ኣእጋሮም ፍልኽ ከምዘይትብል ጌሮም ረጊጾማ እናሃለዉ፡ ብኣዒንቶም ናብ ካልእ እናቋመቱ፡ “ሓቂ ብሓሶት ተጸቒጣ ኣላ፡” ክብሉ ዘስተምህሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ንመጀመርታ እዋን ብዛዕባ ገዛእ ህይወቶም ክግምግሙ ኣስተውዓልኩ። ሰባት ምዃኖም ከይተርፍ ግዲ ኮይኑ ከኣ፡ ድንን ክብሉ ተዓዘብኩ። ናብ ታሕቲ ናብ ባይታ ገጽካ ምጥማት ከኣ፡ መጀመሪ ናይቲ ጥበብ እዩ ዝበሃል። ምኽንያቱ እቲ ናብ ላዕሊ መንጠሪ ዝኸውን መሳልል፡ ኣብ ባይታ ተተኺሉ ስለዝርከብ። እቲ ሕቱኽታታቶምን ልዝባቶምን፡ “ንመጻኢ ህይወትና እንታይ እንተገበርናን በየናይ መንገዲ እንተኸድናን ይሓይሽ፧” ኣብ ዝብል ዓንኬል ከተኩር ተዓዘብኩ። መስብሒ ገጻት ናይታ መጽሓፈይ ክኾኑኒ ድማ በሃግክዎም። “ሰብ ብዛዕባ ኣርሰናል ገዲፉ ብዛዕባ ገዛእ ህይወቱ ክሓስብ እንተጀሚሩ፡ ቅድሚኡ እዋን ዘይነበሮ ገለ ሓድሽ ሓሞት ክገዝእ በቒዑ ኣሎ ማለት እዩ።” ክብል፡ ኣብታ ብቐሊሉ ዘይትውዳእ ትሕዝቶይ ኣስፈርኩ። መቸም ክትጽሕፍ እንተጀሚርካ፡ ንወዲ ሰብ እቲ ቀንዲ ዘፍርሖ ነገር፡ “ብዛዕባ ገዛእ ህይወቱ ኣትኲሩ ምሕሳብ፡ ” ምዃኑ ቀልጢፍካ ኢኻ ትግንዘብ። ህድማ ካብ ነብሶም እናገበሩስ፡ “ንዕወት ኣለና!” ኢሎም ክጭርሑ ከኣ ትሰምዖም። “ምህዳምን ምዕዋትን እባ ፈላሊና ንሓዞም፡” ክትብል እንተፈተንካ፡ መን ቁሊሕ ክብል፧ ስራሕ ስኢኖም። ጸላኢና ጸሓፋይ ትኹኖ! ሱቕ ኢልካ ቅጫ ስገምካ እናሓየኽካ ኣባጊዕ ምጉሳይ ይጥዕም። ኣይጓዳእ ኣየሕምም። ጩቕጩቕታ ኣዕዋፍ ወጋሕታ ክስመዓኒ ብዝበቕዐ መጠን፡ መጽሓፈይ ናይ ምውዳእ ተኽእሎኣ ክጎልሓለይ ጀመረ። እተን ዓመታት መቕጻዕቲ ስጋይ፡ ናብ ምዝዛም ገጸን ከብላ ተዓዘብኩ። በዓል ኣቦሓጎይ፡ “ንወዲ ሰብ ተስፋ እዩ ዘናብሮ” እዮም ዝብሉ ዝነበሩ። ናይ ተስፋ ጩራታት፡

ከም ሰብ መጠን፡ ኣብ መላእ ኣካላተይ ክወርር ተፈለጠኒ። ነታ መጽሓፈይ ከኣ፡ እዛ ትስዕብ፡ ዓረፍተ-ነገር ሃብክዋ።
መሬት ገጽ መሊሱ። ተኽእሎ ምርኣይን ምስትውዓልን ጋሪዱ ዝሓደረ ድቕድቕ ጸላም፡ ሕጊ ባህሪ ገዚእዎ፡ መዋድቖኡ ክደሊ ቦታኡ ክለቅቕ ጀሚሩ። ባና ብርሃን ዝሓዘለ ጩራታት ጸሓይ፡ ንዝስንጠቕ ሰናጢቑ፡ ንዝግላህ ገላሊሁ፡ “መጻእኩ” ክብል ከምዝጀመረ ንምብሳር፡ ገለ ኣዕዋፍ ድሮ በብኹርናዐን መዛሙረን ጀሚረን። ጥዑም ዜማ እዩ። ብፍላይ ነተን ኣብቲ ድቕድቕ ጸላም ጥዑም ሕልምታተን ከሳስያ ዝሓደራ ነፍሳት፡ ባህጊ ለይተን ብቐትሪን ብጋህዲን ንኸካውና ዝበራበራሉ፡ እዋን ንቕሎ ምቕራቡ ዘበስር እዩ። ናይ ምንባር ወኒ ዳግማይ ዘለዓዕል፡ ሓድሽ ተስፋ ዝሓዘለ ቃና ከኣ ኣለዎ።
ብድሕሪ’ዚ ናብ መዛዘሚ ምዕራፍ ናይ’ታ መጽሓፍ ከምዝተቓረብኩ ተሰወጠኒ’ሞ፡ እቶም ኣብቲ መስርሕ ጨቢጠዮም እየ ዝበልክዎም ሓሳባት ኣሕጺረ ክጸሟምቖም ፈተንኩ። እዋይ ክኸብድ! መደምደምታ ናይቲ ውሽጣዊ ሰውራ ምዃኑ እዩ። ብኸም’ዚ ዝስዕብ ዝተጸምቈ፡ ሰለስተ ምዕራፋት ዝሓዘ ኮይኑ ከኣ ተራእየኒ’ሞ፡ ኣስፈርክዎ። “ወዲ ሰብ ኣብ ሰውራ እንድሕሪ ኣትዩ፡ መጀመርታ ነታ ዝሓዛ መበገሲት
ሓቂ ከዐውት ነቲ ጸላእየይ ዝብሎ ክስዕር ይጋደል። ብድሕሪኡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ፡ ንገዛእ ርእሱ ክስዕር ይቃለስ። ማለት፡ ርትዒን ስምዒትን ከገናዝብ ይጅምር። እንተላይ ነቲ ጸላኢየይ ዝብሎ ዝነበረ ኣካል ድማ፡ ብዓይኒ ፍቕሪን ድንጋጸን ይሪኦ። ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ምስ ደየበ፡ እቶም ስምዒታቱ ግቡእ መኣዝኖም ይሕዙሉ። ብድሕሪኡ ኣብ ጉዕዞኡ ዓጋቲ የብሉን።”
ኣብ መስርሕ ናይዛ ንምዝዛማ ዝኸበደትኒ ዕንኪላሎ መጽሓፈይ፡
ብዙሕ ገሊጸ ክበጽሖ ዘይክእል ነገራት ከምእተማሃርኩ፡ ይፍለጠኒ። ሰብ ብምዃነይ ካብ ጉዕዞይ ትምህርቲ ክቐስም ንቡር እዩ። እቲ ልዕሊ ኩሉ ዝገርም፡ ነዘን ከስፍረን ዝፈተንኩ ነኣሽቱ ዝመስላ ሓሳባት ከስምሩ፡ ነርባዕተ ሓሙሽተ ዕቑዳት ብዘይምሕላል ዝጋደሉ ሰባት ምስትውዓለይ እዩ። እዋይ ደኒኖም ክኽእልዎ፡ ንሓሳባቶም ተገዚኦም ክኽእልዎ! ኣደ ወሊዳ ትምከን። ኣብ ቅድሚኦም ቆይመ ነዛ ነብሰይ ክሪኣ እንተፈተንኩ፡ ኣመና ቖንጺባትኒ። እተን ዓመታት ትዕግስተይ እንተቖጸርክወን’ሲ፡ ውሒደናኒ።
ግን ከኣ እቲ ጉዕዞ ጣዕሚ ኣለዎ።
ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክትልብም
ኢልካ ትወፍር እሞ፡ ነቲ በጺሕካዮ ዘሎኻ ደረጃ ቀደም ዝበሰሉሉ ሰባት፡ ኣብኡ ኣብቲ በሪኽ እትብሎ ስፍራ ይጸንሑኻ። “እዞም ሰባት’ሲ እንቋዕ ናትና ኮኑ፡ እንቋዕ ካብኣቶም ተፈጠርና፡ ” ድማ ትብል።
ነታ መጽሓፈይ ግን፡ መዛዘሚ ዝኾና ቃላት ሰኣንኩላ። በርቲዑኒ። እወ፡ ከም
ተማሃራይ መጠን በርቲዑኒ ምባል ጽቡቕ እዩ። ኣብታ መደምደሚት በጺሕካስ፡ ዕንድ! ምዕናድ ድማ
ከቢድ እዩ። ፓውሎ ኮለዮ ዝተባህለ ደቡብ ኣመሪካዊ ጸሓፊ፡ “ደቂ ሰባት ኣብ መሳልል መንገዲ ናብ ዓወቶም፡ ነተን ሰለስተ ቀዳሞት ምዕራፋት (በቲ ናቱ መሳልል) ብጽቡቕ ይኸድወን እሞ፡ ኣብታ ራብዐይትን መዛዘሚትን ምስበጽሑ ይሕርብቶም።” ይብል። እሞ ድማ፡ ነታ ስጉምቲ እቲኣ ምስከድዋ መዐወቲቶም ምዃና
ፍሉጥ እናኾነ። ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ
ዘሎ ምዕናድ ዝፈተኖ ይንገረሉ፡
ኢልና ንሕለፎ። እንተ ኣነ ግን፡ ነታ መጽሓፈይ መደምደምታ ዝኾና ሒደት ቃላት ይደሊ እየ ዘለኹ’ሞ፡ ሃየ ዝረኸበ እንተሎ፧ ብዘይ እተን ቃላት፡ እታ መጽሓፍ ተነባብነታ ትሕቲ ዜሮ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። እተን ሒደት ቃላት፡ ክንድታ ምልእቲ መጽሓፍ ስለዝቖጽረን እየ ድማ፡ “መጽሓፍ ዝረኸበ እንተሎ፧” ብምባል ክሓትት ዝመረጽኩ።

[ዘይተፈልጠ]

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

ሰላም